Stöd och matchning

ድጋፍን ምጽማድን፡ ስራሕ ክትደሊ እንከላኻ፡ ጽዑቕን ምስ ድልየታትካ ዝሳነን ድጋፍ ንዘድልየካ ሰብ ዝምልከት ድጋፍ እዩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ወሃብቲ-ኣገልግሎታት ዝኾና ትካላት ዝሕግዘካ (ኣንፈት-ዘትሕዘካ) ሰብ ሓገዝ ትረክብ። እቲ ተሓጋጋዚ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪታት ይሕግዘካ።

ንመን

Stöd och matchning ክትሰርሕ ንእትኽእል ግን ከኣ ካብ ስራሕ-ኣልቦነት ንኽትላቐቕ ዝይዳ ሓገዝ ንዘድልየካ ሰብ ዝምልከት ድጋፍ እዩ። ብመንገዲ ናይ ሓደ ተሓጋጋዚ ኸኣ፡ ምስ ድልየታትካ ዝተቓነየ ድጋፍ ትረክብ። እዚ ድጋፍ’ዚ፡ ቀልጢፍካ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ይሕግዘካ። ከም ኣብነት፡ ስራሕ ክትደልንን ከተመልክትን፡ ሰነዳት መድለዪ-ስራሕ ከተዳሉን፡ ምስ ኣስራሕቲ ርክብ ክትፈጥርን፡ ንሞያን ስራሕን ዝምልከት ምኽሪ፡ ትምህርታዊ-ብጽሖት ከተካይድን፡ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ክትሳተፍን፡ ወዘተን ሓገዝ ይግበረልካ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰሙን ምስቲ ሓጋዚኻ ብውልቂ ናይ ምዝርራብ ዕድል ይህልወካ።

እቲ ድጋፍ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ደረጅታት ኣለዎ። ቋንቋ ሽወደን ዘይትመልኽ እንተኾይንካ፡ ብቋንቋ ኣዴኻ ክትሳተፍ ዕድል ኣሎካ።

ኣብዚ ንጥፈት ንሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስታፍካ፡ ንውጽኢቱ ንግምግም። ኣብቲ ንጥፈት ንሰለስተ ኣዋርሕ ደጊምካ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት፡ ብድሕሪ’ዚ ውን መሊስካ ንሰለስተ ወርሒ ከነናውሓልካ ንኽእል ኢና።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ንጥፈት ድጋፍን ምጽማድን የድልየካ ድዩ ኣየድልየካን፡ የድልየካ ምስዝኸውን ውን ኣየናይ ደረጃ እዩ ምስ ኲነታትካ ዝኸይድ እንግምግም ንሕን ኢና።
  • እቲ ዝሕግዘካ ወይ ኣንፈት-ዘትሕዘካ ሰብ ባዕልኻ ኢኻ ትመርጾ። ነዚ ኸኣ፡ ኣብዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ብምእታው ብዝቐለለ ትገብሮ። ኣብቲ እትነብሩሉ ከተማ ኣየኖት ወሃብቲ-ኣገልግሎት ኣለዉ፡ ከምኡ ውን ከም ኣብነት እንታይ ኣገባብ ይኽተሉ፡ ብኣየኖት ቋንቋታት ኣገልግሎት ይህቡን ናይ ኣየናይ ሞያዊ-ጽላታት ተመኲሮ ኣለዎምን ዝብል ነገራት ባዕልኻ ክትደሊ ትኽእል። ነቲ መስርሕ ምምራጽ ንምቅላሉ፡ ንኹሎም ነቶም ወሃብቲ-ኣገልግሎት ኣወዳዲርና ደረጃታት ሂብናዮም ኣለና።
  • ዝመረጽካዮ ሓጋዚ መን ምዃኑ ትሕብረና።
  • ንስኻን እቲ ሓጋዚኻን፡ ብኸመይ ቀልጢፍካ ስራሕ ትረክብ ወይ ትምህርቲ ትጅምር ንዝብል ውጥን ክትሕንጽጹ ኣለኩም።
እቲ ዝግበረልካ ድጋፍ ምስ ድልየታትካ ዘይመጣጠን ምስዝኽውን ካልእ ሓጋዚ ናይ ምቕያር ዕድል ኣለካ። ደጋፊ ክትቅይር ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ምሳና ርክብ ግበር።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ኣብዚ ድጋፍን ምጽማድን ዝተሰምየ ንጥፈት ኣብ እትሳተፈሉ እዋን ብመልክዕ aktivitetsstöd, utvecklingsersättning ወይ etableringsersättning ክፍሊት ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

መድሕን

ኣብ ንጥፈታት ድጋፍን ምጽማድን ክትሳተፍ እንከለኻ፡ ኣብ ውሕስነት ውልቃዊ መጕዳእትን ኣብ ውሕስነት ጕጅለን (personskade- och grupplivförsäkringar) እቱው ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።