Psykosocialt anpassningsstöd

እንተድኣ ኣብ ናይ ስራሕ ማሕበራዊ ኩነታት ዘይምቹእነት ተሰሚዑካ ወይ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣየኖት ዓይነት ማሕበራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጠለባት ከምዝትግበር ርግጸኛ ዘይኴንካ፡ ካባና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

ኣብ ስራሕ ከመይ ከም ዘሎና ንሓድሕድና ከመይ ከም ንረዳዳእ፡ ማሕበራዊ ስነ- ኣእምሮኣዊ ናይ ስራሕ ሃዋህው ይበሃል። Psykosocialt anpassningsstöd ንዓኻ ምስ ኣካያዲ ስራሕካ ምስ ሓደ ካብ ክኢላታትናን ኴንካ ብዛዕባ ጠለባት ናይ ስራሕ ቦታ ንኽትመይያጥ ከምዝካኣል ይገብረልካ። እቲ ወሃብ ስራሕካ እውን ሓገዝ ክቅበል ይኽእል እዩ። እቲ ዕላማ ምእንቲ ብሓባር ጽቡቕ ክስምዓኩምን፡ ከምኡ’ውን ንስኻ ኣብ ስራሕ ውሕስነት ንኽስምዓኻ ፍታሕ ንኽትረኽቡ እዩ።

ኣብ ትሕቲ’ቲ ውጥን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንመን

ደገፍ ናይ ማሕበራዊ ስነ- ኣእምሮኣዊ ምስምማዕ ንዓኻ ስራሕ ዘሎካ ወይ ድማ ናይ ስራሕ ልምምድ ትገብር ዘሎኻን ንሕና ድማ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ዝገምገምናዮ ምስ ትኸውን እዩ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ማሕበራዊ ስነ- ኣእምሮኣዊ ምስምማዕ ንዓኻ ቅኑዕ እንተ ኾይኑ ንሕና ኢና ንግምግም። ምስ ወሃብ ስራሕካ ተሰማሚዕና ምስ ሓደ ካብ ክኢላታትና ንክትራኸቡ ቆጸራ ንሕዝ።
  • ንስኻን እቲ ብዓል ሞያን፡ ማለት እቲ ስነኣእምሮኛ ወይ እቲ ማሕበራዊ ኣማኻራይ፡ እቶም ማሕበራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጠለባት ኣብ ምስልሳል ስራሕካ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎም ከም ዝኽእል ትምርምርዎ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ተጻዋርነት ጸቕጢ፡ ምትሕብባር፡ ክእለታት መስተራኽብን ከምኡ’ውን ኣቀባብላን ዝኣመሰሉ ነገራት እዮ።
  • ብድሕርዚ እቲ ወሃብ ስራሕኻ ነቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘሎ ማሕበራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃዋህው ክገልጾ ይኽእል።
  • ንስኻን ወሃብ ስራሕኻን ምእንቲ እቲ ስራሕ ብዝቐለለ ክትዓሞ ክትክእል ክሕግዘኩም ዘድልዩ ምስምማዓት ትውጥኑ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።