ደገፍ ንዓኻ ንነዊሕ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ

ንነዊሕ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ኔርካ እንተ ዄንካ ተወሳኺ ሓገዝ የድለያ ይኸውን እዩ። ቲ ናትካ ስራሕ ኣልቦነት ንኸተቋርጾ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣሎዉ።

Introduktionsjobb

ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንምእታው ሓገዝ ከድልየካ ከሎ ነቲ መላለዪ ስራሕ ምስ ነቲ ዘሎካ ብቕዓትን ናይ መሃብቲ ስራሕ ጠለባትን ዘሓይል ትምህርትታት ብሓባር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Nystartsjobb

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ፡ ወይ ንኣብነት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ርሒቕካ ዝነበርካ፡ ከም ብሓድሽ ንኽትጅምር ዕድል ይህበካ።

Projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning

ኣብቲ ተነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ዄንና ነካይዶ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ፕሮጀክት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንኽትሳተፍ ክትዕደም ትኽእል ኢኻ።

Stöd och matchning

ድጋፍን ምጽማድን፡ ስራሕ ክትደሊ እንከላኻ፡ ጽዑቕን ምስ ድልየታትካ ዝሳነን ድጋፍ ንዘድልየካ ሰብ ዝምልከት ድጋፍ እዩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ወሃብቲ-ኣገልግሎታት ዝኾና ትካላት ዝሕግዘካ (ኣንፈት-ዘትሕዘካ) ሰብ ሓገዝ ትረክብ። እቲ ተሓጋጋዚ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪታት ይሕግዘካ።

Yrkesintroduktionsanställning

Yrkesintroduktionsanställning ምስ ዝወሃበካ፡ ሞያዊ ስልጠና ይወሃበካ፡ ተመኲሮታት ስራሕ ተጥሪ እዚ ኽኣ፡ ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ የጎላብቶ።