Hjälpmedel på arbetsplatsen

ስራሕካ ኽትፍጽም ንኽትክእል ንናውቲ ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውሃብ ስራሕካ እውን ንናውቲ ሓገዝ ወይ ንናይ ስራሕ ቦታ መሰማምዒ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

እንታይ

ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ንዘቃልለልካ ናውቲ ሓገዝ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ወሃብ ስራሕካ እውን ንናውቲ ሓገዝ ወይ መሳርሒ ወይ ቦታ ስራሕ ክሰማማዕ እንተ ዘድልዮ ኾይኑ ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ። ዕላማ ናይዚ ቍጠባ ሓገዝ፡ ንዓኻ ንኣብነት ስራሕ ንኽትረክብ ወይ ሓደ ስራሕ ንኽትዕቅብ፡ ኣብ ገለ መደብ ወይ ካልእ ደገፍ ካባን ንኽትረክብ ዝቐለለ ንኽገብሮ እዩ።

እቲ ዝለዓለ ክትረኽቦ ትኽእል ቍጠባዊ ሓገዝ፡ 100 000 ክሮኑር ንዓመት እዩ። ፍሉይ ምኽንያት እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ ዝበዝሐ መጠን ገንዘብ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ወሃብ ስራሕኻ እውን ክሳብ 100 000 ክሮኑር ዝበጽሕ ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።

ኣብ ውሽጢ እተን ናይ መጀመርታ 12 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ምቝጻርካ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢካ። ካብ ናይ 12 ኣዋርሕ ግዜ ንላዕሊ ዋላ ስራሕ ጌና ናውቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ እዋን ግን ምስ Försäkringskassan ኢኻ ርክብ ክትገብር ዘሎካ።

ኣብ ሓደ skyddat arbete hos en offentlig arbetsgivare ወይ ብቝጠባዊ ሓገዝ ደሞዝ lönebidrag ፡ ዋላ ዳሕራይ ኣብቲ ናይ ስራሕ ግዜኻ ንዝቕልቀል ድልየት ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃበካ እዩ።

Skyddat arbete hos en offentlig arbetsgivare

Lönebidrag

ንመን

ንናይ ስራሕ ዓቕምኻ ዝጸሉ ስንክልና ዘሎካ እንተ ኾይኑን ስራሕካ ክትገብር ንኽትክእል ናውቲ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ንናውቲ ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ንቍጹር ሰራሕተኛ፡ ወናኒ ትካል እንተ ዂንካ፡ ኣብ ሓደ መደብ ትሳተፍ ወይ ካባና ካልእ ሓገዝ ትረክብ፡ ወይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወት ልልይ ትሳተፍ እንተ ዄንካ ይምልከቶ እዩ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ናውቲ ሓገዝ ወይ ምስምማዕ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ምሳና ርክብ ግበር። ሽዑ ቍጠባዊ ሓገዝ ንኽወሃብ ሕጂ ኣገዳሲ ድዩ ኣይኮነን ግምገማ ንገብር። ቅድሚ ሓደ ናውቲ ሓገዝ ምእዛዝካ ወይ ውዕል ክራይ ገዛ ምእታውካ እቲ ምልክታኻ ናይ ግድን ተቐባልነት ክረክብ ከም ዘለዎ ዘክር።
  • እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ንዓኻ ኢና ንኸፍለካ። ቅድሚ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ምውሳድካ ነቲ ናይ ናውቲ ሓገዝ ቅብሊት ክትከፍሎ ተኽእሎ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ንሕና ኣብ ክንዳኻ ነቲ ቅብሊት ክንከፍሎ ንኽእል ኢና።
  • ካብቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ዝረኸብካሉ ስራሕ ወይ ልምምድ እንተ ኣቋሪጽካ፡ ነቲ ናውቲ ሓገዝ ምሳካ ኣጽኒሕካ ናብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ቦታ ሒዝካዮ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
  • ልክዕ ዘይኮነ ሓበሬታ እንተ ሂብካ ወይ ነቲ ናውቲ ሓገዝ ከምቲ ዝተሰማማዕናሉ እንተ ዘይተጠቂምካሉ፡ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ናይ ግድን ክትመልሶ ኣሎካ።

መድሕን

ነቲ ናውቲ ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ምስ ወሰድካ፡ ነቲ ናውቲ ሓገዝ ንስኻ ኢኻ ትውንኖን ምናልባት መድሕን ዝኣቱ እንተ ኾይኑን ንስኻ ኢኻ ሓላፍነት ዘሎካ። ከምኡ’ውን ናይ ምክንኻንን ምናልባት ግብሪ ናይ ምኽፋልን ሓላፍነት ኣሎካ። ብኣንጻሩ ሓደ ናውቲ ሓገዝ ምዕራይ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ካባና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።