Extratjänst

ናብ ዕዳጋ-ስራሕ ንምእታው፡ ሓገዝ ኣብ ዘድልየካ እዋን። ንስኻ(ኺ) ውን ብወገንካ፡ ኣብ ሓደ ናይ "ሓባራዊ ውሕስነት-መነባብሮ" (välfärden)፡ "መንግስታዊ" (offentlig) ወይ "ባህላዊን ወይ ግብረ-ሰናያዊ” ትካል (kulturell eller ideell) ዝዀነ “ወሃብ-ስራሕ” ተቘጺርካ፥ ከም ተወሳኺ ሓይሊ-ሰብ ንምዃን እዩ።

እንታይ

ሓደ ተወሳኺ-ስራሕ (extratjänst) ዚበሃል፡ ሓደ ኣብ ናይ "ሓባራዊ ውሕስነት-መነባብሮ" (välfärden)፡ "መንግስታዊ" (offentlig)፡ "ባህላዊን ወይ ግብረ-ሰናያዊ” ትካል" (kulturell eller ideell) ዓይነት ወሃብ-ስራሕ ተቘጺርካ እትሰርሖ'ዩ። ብኡ ኣቢልካ ናብ "ስራሕ-ዓለም" ክትኣቱ ዕድል ክትረክብ ኢኻ፥ እቲ ዝቘጽረካ "ወሃብ-ስራሕ" ድማ፡ ንደሞዝካ ዚኸውን ሓገዝ ኪወሃቦ'ዩ።

ሓደ ናይ ተወሳኺ-ስራሕ መቝጸርቲ፥ ቀዋሚ ወይ ብጊዜ-ዝተደረተ መቝጸርቲ-ስራሕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ናይ ክፋል-ጊዜ ተወሳኺ-ስራሕ ውን ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ንመን

እዚ “ተወሳኺ-ስራሕ” ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ-ኣልቦ ዄንካ ዝጸናሕካ ወይ ናብ ሽወደን ሓድሽ ዝመጻእካ ዝተዳለወ’ዩ። ምሳና ከም ደላይ-ስራሕ ዝተመዝገብካ ምዃን የድሊ’ዩ። ተወሳኺ፡ ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ እተማልእ ክትከውን የድሊ፡-

  • ኣብ ”jobb- och utvecklingsgarantin” እትሳተፍን፥ ብውሑዱ ን450 መዓልታት ዝተሳተፍካ ክትከውን።
  • ሓድሽ መጻእተኛ፡ ዕድሜኻ 20 ዓመት ዝዀነ፡ ኣብ ”etableringsprogrammet” እትሳተፍ ዘሎኻ፥ ወይ ንዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ክትሳተፍ ዝጸናሕካ ክትከውን።
  • ሓድሽ መጻእተኛ፡ ዕድሜኻ 20 ዓመት ዝዀነ፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ”etableringsplan” ዘሎኻ፥ ወይ ንዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ኣብ ”etableringsplan” ዝነበረካ ክትከውን።
  • ሓድሽ መጻእተኛ ዄንካ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 36 ኣዋርሕ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ ወይ ከም ኣባል ስድራቤት ናይ ”EU/EES” ዜጋ ብምዃንካ፥ ”መንበሪ-ካርድ” ዝተዋህበካ ክትከውን እዩ።

ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

  • ንሕና ኢና፡ እቲ ቦታ-ስራሕን፡ እቲ ዓይነት-ስራሕን፡ ንዓኻ(ኺ) ዚሰማምዕ ምዃኑ ገምጊምና እንውስን።
  • ንሕና፡ ምሳኻን ምስቲ ወሃብ-ስራሕን፡ ሓደ ናይ ስምምዕ-ወረቐት ክንጽሕሓፍ ኢና። ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ውን ክንማኸር ኢና። ኣብቲ ናይ ስምምዕ-ወረቐት ድማ፥ እንታይ ዓይነት-ስራሕ ከም ትሰርሕን፥ እንታይ ዓይነት ሓገዝን፡ መሪሕነትን ከም ዘድልየካ ድማ ኣብኡ ኪሰፍር’ዩ።
  • ብድሕሪኡ፡ ኣብቲ ሓድሽ ስራሕካ ምንጣፍ ንኽትጅምርን፥ ነቲ ዘድልየካ ደገፍን መሪሕነትን ንኽትረክብ፥ ሓላፍነት ዚወስደልካ እቲ ወሃብ-ስራሕካ እዩ።

ደሞዝ

ንስኻ(ኺ)፡ ብመሰረት’ቲ ”ሓባራዊ-ስምምዕ” (kollektivavtalet) ናይቲ ኣብቲ ጨንፈር-ስራሕ’ቲ ዘሎ ደሞዝን - ካልእ ረብሓታት-ሰራሕተኛን ንኽትረክብ፥ መሰል ኣሎካ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ”ወሃብ-ስራሕካ”፡ ንዓኻ ዚኸውን ውሕስነታት ኪፈራረመልካ እዩ። ይኹን እምበር፡ እንተ ደኣ ብድሕር’ቲ መቝጸርቲ ስራሕ ከም ብሓድሽ ”ስራሕ-ኣልቦ” ዄንካ፡ እዚ ናይ “ተወሳኺ-ስራሕ” መቝጸርቲ፥ ካብ “ስራሕ-ኣልቦነት-ካሳ” (a-kassan) ገንዘብ ንኽትክፈል መሰል ኣየከውህበካን እዩ።

ሓለዋ መቝጸርቲ ስራሕ

እቲ ሕጊ ”ሓለዋ-መቕጸርቲ-ስራሕ” (LAS)፡ ኣብዚ ናይ “ተወሳኺ-ስራሕ” ኣየገልግልን’ዩ።

Så här tar du nästa steg

Kontakta oss

Förbered dig så att du kan motivera varför stödet kan öka dina möjligheter till jobb.

Bedömning

Tillsammans kartlägger vi din situation. En arbetsförmedlare bedömer om stödet är ett bra sätt att öka dina möjligheter till jobb.

Beslut

Vilket stöd vi kan erbjuda dig beror på hur just din situation ser ut. Vem som har rätt till ett stöd regleras ytterst av regeringen.