Arbetspraktik

ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮ ከተጥሪን ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል ከተዕብዮን የድልየካ ድዩ? እምበኣር ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልምምድ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ንምኽፋት ትቀራረብ ዘሎኻ ሓደ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እንታይ

Arbetspraktik ንስኻ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ክትሰርሕ ክትፍትን ማለት እዩ። ብመንገዲ ናይ ስራሕ ሂወት ተሞኩሮ ምርካብ፡ ንናትካ ብቕዓት ሞያ ትዕቅቦን ተሓይሎን ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሓድሽን ሞያ ዘሎካን እንተ ዄንካ፡ ግን ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮኻ ድሩት ወይ ዘይብልካ ዄንካ፡ ልምምድ ኣብ ትገብረሉ እዋን እቲ ናትካ ናይ ሞያ ብቕዓት ብሓደ ዓላሚ ክግምገመልካ ይኽእል እዩ። ድሓር ስራሕ ክትደሊ ከሎኻ እቲ ገምጋም ክጠቕመካ እዩ። እቲ ምግምጋም ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ይወስድን ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ወይ ተመሳሳሊ ክግበር ይኽእል እዩ።

ንመን

ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ተመኩሮ ስራሕ ከተጥርን ብኡ ጌርካ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድላት ከተዕብን ንዘድልየካ እዩ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • እንተ ንኣስካ ወዲ 25 ዓመት፡ ስራሕ ኣልቦ ወይ ንኽትከውን ኣብ ሓደጋ ዘሎኻ።
  • ዕድሜኻ ትሕቲ 30 ዓመትን ንናይ ስራሕ ዓቕምኻ ዝጸሉ ስንክልና ዘሎካን።
  • ዕድሜኻ 18 ዓመት፡ ስራሕ ኣልቦን ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንምእታው ዝያዳ ደገፍ ዘድልየካን ኢኻ።
  • ዕድሜኻ 20 ዓመትን ኣብ ሓደ utbildningskontrakt ትጥርነፍ ኢኻ።
  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጻእካን ኣብ etableringsprogrammet ትሳተፍ ኣሎኻ ወይ ዝተሳተፍካን ኢኻ።
  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጻእካን፡ ከምኡ’ውን etableringsplan ዘለካ ወይ ዝነበረካ ኢኻ።
  • ኣብ jobbgarantin för ungdomar ወይ jobb- och utvecklingsgarantin ትሳተፍ ኣሎኻ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ጽቡቕ ደገፍ እንተ ኾይኑ ንሕና ኢና ንግምግሞ።
  • ድሕሪኡ ንስኻ ባዕልካ ወይ ብናትና ሓገዝ ሓደ ናይ ልምምድ ቦታ ክትረክብ የድልየካ። ምስ ናይ ግልን መንግስታውን ወሃብቲ ስራሕ ክልቲኡ ልምምድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
  • ነቲ ኣወዳድባ ናይ ልምምድ ምሳኻን እቲ ወሃብ ስራሕን ብሓባር ኴንና ኢና መደብ ነውጽኣሉ። ከምኡ’ውን ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንማኸር ኢና።
  • ድሕሪ እቲ ልምምድ ካብቲ ናይ ልምምድ ቦታ ኣየኖት ተመኩሮታት ከም ዝረኸብካ ዝገልጽ ሓደ ወረቐት ምስክር ክወሃበካ እዩ። እቲ ናትካ ናይ ሞያ ብቕዓት ኣብቲ ልምምድ ንኽግምገም እቱው እንተ ኾይኑ፡ ናይቲ ግምገማ ውጽኢት ብጽሑፍ ክወሃበካ እዩ።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ልምምድ ክትገብር ከሎኻ aktivitetsstöd utvecklingsersättning ወይ etableringsersättning ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።