Yrkesinriktad utbildning på folkhögskola

ኣብ ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን ወይ ኣብ ፕሮግራም መትከል እግሪ ትሳተፍ ዘሎኻ፡ ነቲ ኣብ ኣብ ሞያ ሕጽረት ሰባት ዘሎዎ ቦታ ዝኸውን ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ዝውሰድ ትምህርትን ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ የዕብዮ እዩ። ኣየኖት ናይ ሞያ ትምህርትታት ከም ዘለዉ እቲ ሕጽረት ሰብ ዘለዎ ሞያ እዩ ዝውስኖ። እቶም ትምህርቲታት ኣብ ሞንጎናን ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ቤት ትምህርትን ብዝግበር ምትሕብባር ይዳለዉ። እቲ ትምህርቲ ሓደ ስራሕ ከም ትረክብ ውሕስነት ኣይህበካን እዩ። ግን ኣዚዩ ንዕድላትካ የዕብዮ እዩ።

እቲ ኣወዳድባ ናይ’ቲ ትምህርቲ ይፈላለ እዩ፡ ይኹን’በር ናይ ሓባር ንዅሎም እቶም ትምህርቲታት ትሕዝቶ ናይ ልምምድ እዩ። ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲታት ብንኣሽቱ፡ ጥሙራት ጉጅለታት መጽናዕቲን ብሕብረዲሲፕሊናዊን ኣገባብ ይሰርሓ።

እቲ ትምህርቲ ናይ ምሉእ ሰዓታትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ከባቢ ሓደ ዓመት ዝወስድን እዩ። እንተኾነ ግዳ እቲ ናይ ትምህርቲ ንውሓት ግዜ ብገምጋም ኣብ ሞንጎ 6ን 24ን ኣዋርሕ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ንመን

ሓደ ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃር ዘሎካ ተኽእሎታት ብብዙሓት ነገራት እዩ ዝጽሎ። ካልእ ገዲፍካ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትምህርትኻን ተመኩሮታትካን፡ ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድላት ከምኡ’ውን እቲ ድልየት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ከመይ ይመስል ከም ዘሎ ኣብ ግምት ነእትዎ ኢና።

ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • ኣብ jobb- och utvecklingsgarantin ትሳተፍ ኣሎኻ።
  • ኣብ etableringsprogrammet ትሳተፍ ኣሎኻ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

  • ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ምምሃር ንዓኻ ብቑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምሳኻ ብሓባር ኴንና ንግምግም።
  • እቲ ንዓኻ ዝኸውን ትኽክል ምርጫ ናይ ትምህርቲ ከምኡ’ውን ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣየናይ ምዃኑ ንምርምር።
  • ነቲ ትምህርቲ ከመይ ከም ጌርካ ተመልክት ይፈላለ እዩ። ብቃለመጠይቅ ዝስነይ ሓደ ናይ ጽሑፍ መመልከቲ ምቕራብ ልሙድ እዩ።

ቍጠባዊ ሓገዝ

ኣብ jobb- och utvecklingsgarantin ወይ ኣብ etableringsprogrammet ኣብ ትሳተፈሉ እዋን ቍጠባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብመልክዕ aktivitetsstöd, utvecklingsersättning ወይ etableringsersättning ክፍሊት ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትመሃረሉ እዋን ነቲ ኣብ ፕሮግራም ክትሳተፍ ከለኻ ዘሎካ ክፍሊት ትዕቕቦ ኢኻ።

መድሕን

ኣብ ናብ ሞያ ዝዓለመ ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ኣብ ውሕስነት ውልቃዊ መጕዳእትን ኣብ ውሕስነት ጕጅለን (personskade- och grupplivförsäkringar) እቱው ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ