Yrkes- och studieförberedande moduler

ሞዱላት መዳለዊ ሞያን ትምህርትን መንገዲ ዝመርሑ ዓውድታት እዮም። ዕላማ ናይ’ዞም ሞዱላት ኣብ ኲሉ ጻዕርታትካን ጸዓትካን ተዋፍረሎም ጭቡጣትን ክትግበሩ ዝኽእሉን ሞያታት ንኽትበጽሕ እዩ። ከምኡ’ውን ነዞም ሞዱላት ተማሂርካ ኣብ ትውደኣሉ እዋን ድሮ ናብ’ቲ ዕላማኻ ብኸመይ ከም ትበጽሖ ንጹር ዝኾነ መደብ ክህልወካ ትጽቢት ይግበረልካ።

እንታይ

ንስኻን እቲ መጒዚ መምህርካን ክትግበር ዝኽእል ትምህርታውን ሞያውን ምርጫ ንኽትመርጽ ምእንትን ትሕዝቶን ኣዋድዳን ናይ’ቲ ዓውዲ ሓቢርኩም መደብ ንኽትሕንጽጹ ነቲ ዓውዲ ብፈላሚ ዝርርብ ትጅምርዎ።

ከም ኣብነት ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዓውዲ ከም’ዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል:

  • ሓበሬታ ብዛዕባ ዕዳጋ-ስራሕን ዝተፈላለዩ ሞያታትን
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ኣብ እዋን ትምህርቲ ነብስኻ ብከመይ ከም ትናብያን
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ቤ/ት ኣባጽሕን(ኮንቩክስን) ላዕለዋይ ቤ/ት ሓፋሽን(ፎልክ ሀግስኮላን) ኮለጃት ወይ ኣብ ብቤ/ጽ ዕዮ(ኣርቤትስ ፈርሜድሊን) ዝወሃቡ ሞያውያን ትምህርትታት ኬድካ ምምሃር ከመይ ምዃኑ ንምፍላጥ ትምህርታዊ ዑደት ምክያድ
  • ዝጭበጥን ዝትግበርን ሞያውን ትምህርታውን ምርጫ ንምግባር ምስ’ቶም ዝተፈላለዩ ሞያታት ምእንትን ክትላለ ትምህርታውያን ዑደታት ወይ ኣብ ቦታ-ስራሕ ሓጺር ልምምዳት ምክያድ።
  • ዝጭበጥ ሞያውን ትምህርታውን ምርጫ ኣብ ምግባር ሓገዝ ንክኾነካ ኣብ ከክልተ ሰሙን ትምህርታውን ሞያውን ዝኾነ ምኽራዊ ዝርርብ ንውልቅኻ ይወሃበካ።

ንመን

ሞዱላት መዳለዊ ሞያን ትምህርትን ዝምልከቶም:

  • ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ከም ደለይቲ ስራሕ ንዝተመዝገቡ።
  • ሞያዊ ትምህርትን ንጹር ዝኾነ ኣንፈት ሞያን ዘይብሎም ወይ ድማ መኣዝን ሞያኦም ክቕይሩ ንዝደልዩ።
  • ብጥንቃቐ ዝተሓስበ ትምህርታውን ሞያውን ምርጫ ንኽገብሩ ትምህርታውን ሞያውን ምኽሪ ንዘድልዮም።

ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ናይ ቋንቋ ሓገዝ ምርካብ ተኽእሎታት ከም ዘሎን እቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ትምህርቲ ድማ ብዝቐለለ ሽወደንኛ ከም ዝወሃብ ክንሕብር ንደሊ።

ብኸምዚ ይሰርሕ

እዞም መሪሐ መንገዲ ዝኾኑ ዓውድታት ናይ መዳለዊ ሞያን ትምህርን ሞዱላት ንሕና ብዘቕረብናዮ ተልእኾ ኣብ መላእ ሃገር ብዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላት ትምህርቲ ይወሃቡ። ሞያውን ትምህርታውን ምርጫ ንኽትገብር ዕሙቕ ዝበለ መምርሒ ሓገዝ የድልየኒ እዩ ትብል እንተኾይንካ፡ ተወከሰና። ኣብ’ዚ ኣበየኖት ንኡሳን-ዞባታት እዞም መዳለዊ ትምህርቲ ዝኾኑ ሞዱላት ከም ዝወሃቡ ክትምልከት ትኽእል።

Sök yrkes- och studieförberedande moduler

ትሕቲ 25 ዝዕድመኻ ዝምልከቱ መሪሐ መንገዲ ዝኾኑ ዓውድታት

ኣብ ገሊአን ንኡሳን-ዞባታት ምስ’ቶም ትሕቲ 25 ዝዕድመኦም መንእሰያት ዝሳነዩ ፍሉያት ዓውድታት ዝሓዘሉ መዳለዊ ሞያን ትምህርትን ዝኾኑ ሞዱላት ኣለዉ። YSM UNG ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ።ትሕዝቶኦም ምስ እቶም ብዕድመ ንኣሽቱን ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ብተዛማዲ ሓደስቲ ዝኾኑን ዝቃደዉ እዮም። ኣብ’ዘን ጒጅለታት ብዕድመ ምሳኻ መዛኑኻ ምስ ዝኾኑ ትሳተፎ። YSM UNG ይሰማማዓኒ እዩ ትብል እንተኾይንካ ተወከሰና። እዞም ዓውድታት ኣብ’ዘን ዝስዕባ ንኡሳን-ዞባታት ኣለዉ።

Sök YSM UNG

Så här tar du nästa steg

Kontakta oss

Förbered dig så att du kan motivera varför stödet kan öka dina möjligheter till jobb.

Bedömning

Tillsammans kartlägger vi din situation. En arbetsförmedlare bedömer om stödet är ett bra sätt att öka dina möjligheter till jobb.

Beslut

Vilket stöd vi kan erbjuda dig beror på hur just din situation ser ut. Vem som har rätt till ett stöd regleras ytterst av regeringen.