Studiestöd för utbildning på yrkeshögskola, högskola och universitet

ናይ ስራሕ ዕድልካ ክብ ንምባል ኣብ ሞያዊ ኮለጅ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውን ሞያኻ ድማ ተጠላቢ ምስ ዝኸውን፡ካልኦት ተወሰኽቲ ዕድላት’ውን ኣለዉኻ።ኣብ እዋን ምህሮ ቊጠባዊ ኲነታትካ ብኸመይ ከምትኣልዮ፡ኣብ’ዚ ተመልኪቶም ኣለዉ።

ክፍሊት-ትምህርቲ እንዳወሰድካ ተምሃር

ክፍሊት-ትምህርቲ ሓገዝን ልቓሕን ዝሓዘለ ንኽትመሃር ብሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ዝወሃብ ገንዘብ እዩ።እቲ ትምህርቲ ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ፡ኣብ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ)፡ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅ፡ ዩኒቨርሲትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከባ ገሊአን ኣብያተ-ትምርህትን ክኸውን ይኽእል።ክፍሊት-ትምርህቲ ንኸተመልክትን ብዝያዳ ድማ ንዓኻ እንታይ ከም ዝምልከት ንኽትፈልጥ ኣብ መካነ መርበብ ናይ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ኣቲኻ ረአ

ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) - ደገፍ-ትምህርቲ

ብሓገዝ ቤ/ጽ ዕዮ ተምሃር

ኣብ ገሊኡ ኲነታት ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲትን ንኽትመሃር ብቤ/ጽ ዕዮ ቊጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል’ዩ።ከም’ዚ ዝኸውን ግን ኣብ መደብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ወይ ከኣ ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ምዝጉብ ምስ ትኸውን’ዩ።

መደብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን

ኣብ መደብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ንልዕሊ 450 መዓልትታት ምስ ትሳተፍ፡ብሓገዝ ቤ/ጽ ዕዮ ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅን ኣብ ዩኒቨርሲትን ከምኡ ድማ ኣብ ድሕሪ ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሓፋሽ (ፎልክ ሀግስኮላ) ዝወሃቡ ትምህርቲ ንኽትመሃር ቊጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል’ዩ።ፈለማ እቲ ትምህርቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክብ ንምባል ኣድላዪን ምዃኑን ዘይምዃኑን ገምጋም ይግበር።ድሕሪኡ ባዕልኻ ነቲ ክትመሃር ዝደለኻ ትምርህቲ ተመልክት።ብጠቕላላ ብሕሳብ ምሉእ ሰዓታት፡ን12 ኣዋርሕ ቊጠባዊ ሓገዝ ክንህበካ ንኽእል ኢና።

መደብ መትከሊ-እግሪ

ኣብ ውሽጢ መደብ መትከሊ-እግሪ ኮይንካ፡ብመልክዕ ቊጠባዊ ሓገዝ ክፍሊት መትከሊ-እግሪ እንዳወሰድካ ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅን ኣብ ዩኒቨርሲትን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።ብመሰረቱ ግን ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዝወዳእካ ክትኸውን ኣለካ።ገለ ዓውድታት ከም ዝወሰድካዮም ዝጠልባ ኣብያተ ትምርህትታ’ውን ኣለዋ።መብዛሕቱ ግዜ ድማ ብቚዕ ሽወደንኛን እንግልዝኛ ክህልወካ ይጥለብ’ዩ።መደብ መትከሊ-እግሪ ምስ ተወድአ ምህሮኻ ክትቕጽሎ ምስ ትደሊ፡ካብ ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) ክፍሊት-ትምህርቲ ከተመልክት ዕድል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ንዝኾንካ

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣብ ዓድኻ ዘጥረኻዮ ሞያ ወይ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ ናብ ስራሕ ዓለም ብዝቐልጠፈ ትኣትወሉ መንገዲ ኣሎ።

ናይ ወጻኢ ሃገር ትምርህቲ ምግምጋም

ናይ ዓድኻ ዩኒቨርሲቲ፡ኮለጅ ወይ ሞያዊ ኮለጅ ከም ዝተመሃርካ ዝሕብር ሰነድ ናይ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ናብ ቦርድ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን( UHR) ለኣኮ።እቲ ቦርድ ነቲ ሰነዳት ትምህርትኻ ድሕሪ ምምርማር ርኢትኡ ይህበሉ።ናይ’ቲ ቦርድ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት-ግምገማ ብምጥቃም፡ምህሮኻ ኣብ ሽወደን ክንደይ ከም ዝግመት(ዝቚጸር) ክትርእዮ ትኽእል።ኣብ ሞያ ሕክምና ትሰርሕ እንተ ነይርካ ድማ ሰነዳት ትምህርትኻ ናብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን(ሶሻል ስቲረልሰን) ለኣኮ። መምህር ወይ ናይ መዋእለ-ሕጻናት መምህር ምስ ትኸውን ድማ ናይ መምህር ተሴራ ንምርካብ ኣብ ቤ/ጽ ጕዳያት ትምህርቲ( Skolverket) ከተመልክት ዕድል ኣለካ።

ምግምጋም ናይ ወጻኢ ሃገር ትምርህቲ ብቦርድ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን(UHR)

ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን(ሶሻል ስቲረልሰ) ብዛዕባ ተሴራ

ቤ/ጽ ጒዳያት ትምህርቲ ብዛዕባ ተሴራ መምህር

ስሉጥ-መንገዲ

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣዝዩ ተደላዪ ሞያ ምስ ዝህልወካ፡ማለት ሞያኻ ዋሕዲ ሰራሕተኛ ምስ ዝህልዎ፡ኣብ ስራሕ ዓለም ብዝቐልጠፈ ንኽትኣቱ ተኽእሎታት ኣለዉ።ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጽምባር ንኣብነት ሞያዊ ወይ ትምህርታዊ ግምገማ ብምክያድ፡ብልምምድ ስራሕ (ፕራክቲክ)፡ብልምምድ ቋንቋን ምስ ኲነታትካ ዝዳረግ ዝጎደለካ ብምምላእን፡ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትምህርትኻን ሞያኻን ኣብ ረብሓ ንኽውዕል፡ ስራሕ ብዝቐልጠፈ ክርከብ ይከኣል’ዩ።

እዚ ስሉጥ-መንገዲ ንመምሃራን፡ንመራሕቲ ጽዕነት-መኪና፡ኣብ ጽላት ህንጻ፡ኣብ ናይ ገረብ ኢንዱስትሪ፡ኣብ ምኽሻን ኣብ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ዝሰርሑ ይምልከቶም።ናይ’ቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ዝወስዶ ግዜ ከከም ሞያኡ ይፈላለ።

ስሉጥ-መንገዲ

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ