Jobba inom Samhall

ኣብ ትካል ሳምሃል ብምስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ከተማዕብል ዕድል ትረክብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደገፍን መምርሕን ኪወሃበካ’ዩ።

እንታይ

ሳምሃል፡ ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ ዘስዕብ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ትርጉም ዘለዎን ዘማዕብልን ስራሕ ንምፍጣር ዕማም ዘለዎ ብመንግስቲ ዝውነን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ኩባንያ ሽወደን’ዩ። ዕላማ ስራሕ ሳምሃል፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ንኸተማዕብሎ’ዩ። ንሓዋሩ ግን ምስ ካልእ ወሃብ-ስራሕ ስራሕ ክትረክብ ክትክእል ኣሎካ።

ንመን

ኣብ ስራሕ ተወሳኺ ደገፍን ምትኽኻልን የድልየካ’ዶ፧ ኣባና ከም ደላዪ ስራሕ ምዝጉብ ኮይንካ፡ ንዓቕሚ ስራሕካ ዚጸሉ ምግደራ ወይ ስንክልና ኣሎ’ዶ፧ እሞ ምናልባት ሳምሃል ንዓኻ ዚሰማማዕ ቦታ ስራሕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

Stäng

ኣብ ሳምሃል ምስራሕ እቲ ፊልም ብቋንቋ ሽወደንኛ’ዩ።

ኣብዛ ፊልም፡ ኣብ ሳምሃል ምስራሕ ከመይ ከም ዝኾነ ትርዳእ።

በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኣብ ሳምሃል ክትሰርሕ ድላይ እንተሎካ፡ ጕዳይካ ንመራኸቢ ስራሕ ብምሕባር ትጅምሮ። ጽቡቕ ሓሳብ እዩ ኢልኩም ኣብ ስምምዕ እንተ በጺሕኩም፡ ናብ ሳምሃል ብምኻድ ምብጻሕ ትገብር። ሽዑ፡ ኣብኡ ኮይንካ ምስራሕን ምምዕባልን ከመይ ከም ዝኾነ ዚያዳ ሓበሬታ ትረክብ። ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ ምሳኻን ምስ ሳምሃልን ሓደ ስምምዕ ክንገብር ኢና። ኣብኡ፡ ካብ ብዙሕ ብውሑዱ፡ ናይ ስራሕካ ሸቶ እንታይ ምዃኑ፡ ንኽትምዕብል ኣየኖት ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ከም ዘድልዩኻን ኣየናይ ደገፍ ከም ዘድልየካን ይግለጽ።

ተቘጺርካ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፡ ሓላፊኻ ከተባብዓካ፡ ኪብድሃካን ደገፉ ኪህበካን’ዩ። ናይዚ ዋና ዕላማ፡ ንስኻ ሓደ መዓልቲ ሓድሽ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ናብቲ ዚስዕብ ወሃብ-ስራሕ ብምቕጻል ተቘጺርካ ንኽትሰርሕ’ዩ።

ደሞዝ

ኣብ ሳምሃል ሰራሕተኛ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ብመሰረት እቲ ናይ ሓባር ስምምዕ፡ ደሞዝን ካልእ ናይ ሰራሕተኛ ረብሓታትን ትወሃብ።

ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ

ሳምሃል፡ ብመሰረት ሓባራዊ ውዕል፡ ዕድላት ረብሓታት ስራሕ ንሰራሕተኛታት ኪህብ ሓላፍነት ይስከም ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።