ምቝጻር ስራሕ ብደገፍ

እቲ ወሃብ ስራሕ ንደሞዝካ ዝከውን ቍጠባዊ ሓገዝ እንዳ ተዋህበ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ክትኣቱ ወይ ክትምለስ ስጕምቲ ንኽትወስድ ዕድል ትረክብ።
Bidrag för personligt biträde
ብሰንኪ ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ምስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ካብ ሓደ ሰብ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ወሃብ ስራሕካ ነዚ ዝኸውን ሰራሕተኛ ንኽምድብ ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ ይወሃቦ እዩ።
Extratjänst
ናብ ዕዳጋ-ስራሕ ንምእታው፡ ሓገዝ ኣብ ዘድልየካ እዋን። ንስኻ(ኺ) ውን ብወገንካ፡ ኣብ ሓደ ናይ "ሓባራዊ ውሕስነት-መነባብሮ" (välfärden)፡ "መንግስታዊ" (offentlig) ወይ "ባህላዊን ወይ ግብረ-ሰናያዊ” ትካል (kulturell eller ideell) ዝዀነ “ወሃብ-ስራሕ” ተቘጺርካ፥ ከም ተወሳኺ ሓይሊ-ሰብ ንምዃን እዩ።
Introduktionsjobb
ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንምእታው ሓገዝ ከድልየካ ከሎ ነቲ መላለዪ ስራሕ ምስ ነቲ ዘሎካ ብቕዓትን ናይ መሃብቲ ስራሕ ጠለባትን ዘሓይል ትምህርትታት ብሓባር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
Lönebidrag
ብምኽንያት ሓደ ስንክልና ዝነከየ ዓቕሚ ስራሕ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምስቲ ናትካ ኵነታት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ሓደ ስራሕ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ማዕረ ማዕርኡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ንደሞዝካ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦ ይኽእል እዩ።
Nystartsjobb
ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ፡ ወይ ንኣብነት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ርሒቕካ ዝነበርካ፡ ከም ብሓድሽ ንኽትጅምር ዕድል ይህበካ።
Projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning
ኣብቲ ተነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ዄንና ነካይዶ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ፕሮጀክት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንኽትሳተፍ ክትዕደም ትኽእል ኢኻ።
Psykosocialt anpassningsstöd
እንተድኣ ኣብ ናይ ስራሕ ማሕበራዊ ኩነታት ዘይምቹእነት ተሰሚዑካ ወይ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣየኖት ዓይነት ማሕበራዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጠለባት ከምዝትግበር ርግጸኛ ዘይኴንካ፡ ካባና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
Rusta och matcha
እዚ ናይ “ምዕጣቕን ምግጥጣምን” (Rusta och matcha) ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልየካ ሰብ፥ ንዓኻ ኣብቲ ስራሕ ተናድየሉ ጊዜ፡ ደገፍ ንኪዀነካ ዝተዳለወ’ዩ። ነቲ “ወሃብ-ኣገልግሎት” (leverantör) ባዕልኻ ኢኻ ትመርጾ። ሽዑ ድማ ሓደ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዘብጽሓካ መገዲ ዚሕግዘካ “መራሒ” (handledare) ኪወሃበካ እዩ።
Samhall
ኣብ ትካል ሳምሃል ብምስራሕ፡ ናይ ስራሕ ዓቕምኻን ብቕዓት ሞያኻን ከተማዕብል ዕድል ትረክብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ደገፍን መምርሕን ኪወሃበካ’ዩ።
Skyddat arbete hos offentlig arbetsgivare
ሓደ ከም ዝሰማምዓካ ዝተገብረ ስራሕ ንዓኻ ሓደ ስንክልና ዘሎካ።
Stöd och matchning
ድጋፍን ምጽማድን፡ ስራሕ ክትደሊ እንከላኻ፡ ጽዑቕን ምስ ድልየታትካ ዝሳነን ድጋፍ ንዘድልየካ ሰብ ዝምልከት ድጋፍ እዩ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ወሃብቲ-ኣገልግሎታት ዝኾና ትካላት ዝሕግዘካ (ኣንፈት-ዘትሕዘካ) ሰብ ሓገዝ ትረክብ። እቲ ተሓጋጋዚ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትረክብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪታት ይሕግዘካ።
Särskild stödperson för introduktion och uppföljningsstöd - SIUS
ስንክልና እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን፡ ወይ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ሓዲሽ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓጋዚ ሰብ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዙኻ ኣብ ዝኽእሉ ዕማማትን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ስልጠና ብምሃብ ክሕግዘካ እዩ።