Introduktion till arbete

ስራሕ ከተናዲ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ገና ድልው እንተ ዘይኮይንካ፣ ብመገዲ ወፈያ መዳለዊ ስራሕ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

ብሰንኪ ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ዓለም ምእላይ ኣብ ምስራሕ ዘለካ ዓቕሚ ርግጸኛ እንተ ዘይኮይንካ፤ ብመገዲ ወፈያ መዳለዊ ስራሕ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዕላማ ደገፍን ምክትታላትን እንዳተገበረልካ ከሎ ጐድኒ-ጐድኒኡ ድማ ስራሕ ክትፍትን’ዩ።

ኣብ’ቲ ቀዳማይ ደረጃ ምልላይ-ስራሕ፣ ክእለትካ ብምድህሳስን ዝሰማማዓካ ዓውደ ሞያ ብምንዳይን ቀስብቐስ ድማ ናይ ስራሕ ዓቕምኻ ክብ ንከተብሎ ተኽእሎታት ይወሃበካ። ድሕሪ እቲ ድህሰሳ ድማ ወይ ነቶም መራሕቲ መንገድን መዳለውትን ዝኾኑ ወፈያታት ትቕጽሎም ወይ ድማ ስራሕ ትፍትን። ኣብ እዋን እቲ ወፈያ ኣብ ንጥፈታትን ኣስተምህሮ ጥዕናን ክትሳተፍ ኢኻ። ከምኡ’ውን መዓልታዊ ህይወትን ስራሕን ንምስናይ ብኸመይ ከም ትወዳድብን ትሰርዕን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንመን

እቲ ደፈፍ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ዓለም ተኣሊኻ ዝነበርካን ብዛዕባ ዓቕምኻን እንታይ ዓይነት ስራሕ ከምዝሰማማዓካ ርግጸኛ ዘይኮንካን ይምልከት።

ብኸምዚ’ዩ ይሰርሕ

  • ፈለማ እቲ ወፈያ መዳለዊ ስራሕ የድልየካ ድዩ ኣየድልየካን ውሳነ ክንውስን ኢና።
  • ቀቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ምስ’ቲ ወፈያ ዘቕርብ ትካል ሓቢርና መደብ ነውጽእ። እቲ ወፈያ ዘቕርብ ትካል ንዓኻ ዘድልዩኻ ነገራትን ደገፋትን ንምፍላጥ ዳህሳስ የካይድ።
  • ሰዓታት ናይ’ቲ ወፈያ ንዓኻ ብዝሰማማዓካ መንገዲ ይከናወን።

ኣብ’ቲ እዋን ወፈያ ዕብየትካን እቶም ንጥፈታት ከመይ ይኸዱ ከም ዘለዉን ንምክትታት ቐጻሊ ዝኾነ ዝርርባት ነካይድ።

መድሕን(ኢንሹራንስ)

ኣብ’ቲ ምልላይ-ስራሕ ክትሳተፍ ከለኻ ብመድሕን ውልቃዊ መጒዳእትን ብመድሕን ጒጅለኣዊ ህይወትን ውሕስነት ኣለካ።

Så här tar du nästa steg

Kontakta oss

Förbered dig så att du kan motivera varför stödet kan öka dina möjligheter till jobb.

Bedömning

Tillsammans kartlägger vi din situation. En arbetsförmedlare bedömer om stödet är ett bra sätt att öka dina möjligheter till jobb.

Beslut

Vilket stöd vi kan erbjuda dig beror på hur just din situation ser ut. Vem som har rätt till ett stöd regleras ytterst av regeringen.

Hitta fler stöd inom