ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት
ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት፡ ሓደ ፕሮግራም ንዓኻ ትሕቲ 25 ዓመት ዝኾንካ እዩ። ንኣብነት ስራሕ፡ ልምምድ ወይ ናይ ትምሀርትን ሞያን ሓበሬታ ኣብ ምድላይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዕላማ ብዝተኻእለ ብቝልጡፍ ሓደ ስራሕ ንኽትረክብ ወይ ክትምሃር ንኽትጅምር እዩ።
ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት እንታይ እዩ?
እዚ፡ ብውልቂ ከምዝሰማማዕ ዝተገብረ ጻዕርታትን ደገፍን ዘልዎ ምስ ብንጥፈት ስራሕ ክትደሊ ዝተተሓሓዘ ፕሮግራም እዩ። እቲ ዕላማ ብዝተኻእለ ብቝልጡፍ ሓደ ስራሕ ክትረክብ ወይ ክትምሃር ንኽትጅምር እዩ።
ኣብዚ ፕሮግራም መን ክሳተፍ ይኽእል?
ዕድሜኻ ካብ 16-24 ዓመትን ስራሕ ኣልቦን ምሳና ዝተመዝገብካን እንተ ዄንካ ኣብ ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦
- እንተ ወሓደ ን90 ምዓልታት ኣብዘን ዝሓለፋ 4 ኣዋርሕ ብምሉእ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ኔርካ።
- እንተ ወሓደ ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብቲ ክትገብሮ ትኽእል ዝነበርካ ዝወሓደ ሰሪሕካን፡ ንኣብነት ብሰዓታት ክትሰርሕ ተቖጺርካ ኔርካን ካብ ኣ-ካሳ ክፍሊት ክትረክብ መሰል ነይሩካን።
- ኣብ ናይ እግሪ መትከሊ ፕሮግራም እቲ ዝከኣል ብዝሒ ግዜ ተሳቲፍካ፡ ግን ገና ስራሕ ኣልቦ ኣለኻ።
- ንሓደ ዓመት ንማእሰርቲ ተፈሪድካን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ኪትቅመጥ ፍቓድ ረኺብካ ወይ ንኣመክሮ ናጻ ወጺእካ ግን ሓደ ዓመት ናይቲ ፈተነ ግዜ ኣይወዳእካን።
እዚ ኣብቲ ፕሮግራም ክትገብር ትኽእል
ንስኻን ቤ/ጽ ዕዮን ሓቢርኩም ብዝቐልጠፈ ስራሕ ክትረክብ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምእንትን ምሳኻ ብዝበለጸ ዝሰማምዑ ደገፋት ሓቢርኩም ብምምራጽ መደብ ተውጹ። ካብ’ቶም ደገፋት ሒደት ኣብነታት እኔሀ፡
- ምኽሪ ትምህርቲን ሞያን
- ንጥፈታት ምድላይ ስራሕ ምስ ስልጠና
- ልምምድ
- ትምህሪ ክሳብ ሽዱሽተ ውርሒ
- ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር ትሓስብ ዘሎኻ ደገፍን ምኽርን።
- ናብ ስራሕ ዝዓለመ ተሓድሶ
- ናይ ስራሕ ስልጠና ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ
ከመይ ይኸደልካ ከም ዘሎ ኵሉ ግዜ ንከታተልን እቲ ዘድልየካ ደገፍ ንህበካን።
ናይዚ ፕሮግራም ንውሓት
እዚ ፕሮግራም ብንቡር ኵነት ናይ ምሉእ ግዜ እዩ። ብኸፊል እዋን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ ወይ ብምኽንያት ሕማም ወይ ስንክልና ምሉእ ሰዓታት ክትሰርሕ ዘይትኽእል ዄንካ፡ ኣብዚ ፕሮግራም ብኸፊል ግዜ ክትሳተፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብዚ ፕሮግራም ምስታፍ ብድልየት እዩ። እንተ ተሳቲፍካ ግን ንጡፍ ክትከውንን ነቲ ዝተሰማማዕናሉ መደብ ክትስዕቦን ኣሎካ።
ኣብ ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት ክትሳተፍ ከለኻ ዝኾነ ዓመታዊ ዕረፍቲ የብልካን። ግን ኣብ ፍሉያት ጕዳያት እንተ ነውሐ ንሰለስተ ምዓልታት ዕረፍቲ ክንህበካ ንኽእል ኢና።
ኣብዚ ፕሮግራም ኣብ እትሳተፈሉ ግዜ እትወስዶ ክፍሊት
ኣብ ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት ትሳተፈሉ እዋን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ፕሮግራም ምስ መዝገብናካ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ተመልክት። ክፍሊት ንኽኽፈለካ፡ ነቲ ምሳና ብሓባር ዘለካ መደብ ክትስዕቦ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣብቶም ዝተሰማማዕናሎም ንጥፈታት ክትሳተፍ የድልየካ ማለት እዩ።
ኣብ ሓደ ፕሮግራም ኣብ እትሳተፈሉ ግዜ እትወስዶ ክፍሊት
ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ኣመልክት
እንተ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ ኣለኻ ዄንካ
ንነዊሕ እዋን እንተ ዄንካ ሓሚምካ ዘለኻ፡ ምእንቲ ከም ቅድም ክትሳተፍ ክትኽእል ናይ’ቲ ፕሮግራም ትሕዝቶ ከነሰማምዖ ንፍትን ኢና። እንተ ሓሚምካ ወይ ቈልዓ ንምእላይ ኣብ ገዛ ምህላው እንተ ኣድልዩካ፡ ብዛዕብኡ ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ።
ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ሃብ
ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ሓደ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተእቱ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ጕዕዞኻ ልክዕ ደገፍ ንኽትረክብን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊትካ ንኽትረክብን ኣገዳሲ እዩ።