ደገፍ ንጥፈትን ክፍሊት ምዕባለን
ደላይ ስራሕ ከለኻን ኣብ ገለ ካብቶም ፕሮግራማትና ኣብ ትሳተፈሉ ዘሎኻሉ እዋንን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትወሃቦ ክፍሊት ደገፍ ንጥፈት ወይ ክፍሊት ምዕባለ ይብሃል።
ክፍሊት ክረክብ ከመይ ክገብር ኣለኒ?
ኣብ ሓደ ካብቶም ናትና ፕሮግራማት ምስ ተመዝግብካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ተመልክት። ኣብ ወወርሒ ናይታ ዝሓለፈት ወርሒ ተመልክት። እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበበ ሓበሬታ ምምልካት እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን እቲ ገንዘብ ምዓስ ከም ዝኽፈልን እውን ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ኣመልክት
ክፍሊት ክትረክብ እንታይ ይሓትት?
ኣብ ሓደ ፕሮግራም ክትሳተፍ ከለኻ፡ ነቲ ምሳና ብሓባር ዘለካ መደብ ክትስዕቦ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንኣብነት ኣብቶም ዝተሰማማዕናሎም ንጥፈታት ክትሳተፍ የድልየካ ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መደብካ ኣሎ እንተ ኮይኑ፡ ነጢፍካ ስራሕ ምድላይ የድለካ እዩ።
ንጥፈታትካ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ጸብጻብ ክትህበሎም የድልየካ እዩ። ከምኡ’ውን እንተ ሓሚምካ ምሕባር።
ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እዩ ዝወሃበኒ?
ኣብ ሓደ ፕሮግራም ኣብ ትሳተፈሉ እዋን፡ ሓደ ውሱን መጠን ገንዘብ ንመዓልቲ እንተ በዝሐ ንሓሙሽተ ምዓልታት ኣብ ሰሙን ትኽፈል። ኣብቲ ናትካ ፕሮግራም ናይ ትሳተፈሉ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ፡ ገንዘብ ትኽፈል።
እቲ ንመዓልቲ ትኽፈሎ ገንዘብ፡ ካልእ ገዲፍካ ኣብ ዕድሜኻን ናይ ኣ-ካሳ ኵነት ተመልእን ዘይተማልእን እንተ ዄንካን እዩ ዝውስኖ። ኣብ ናይ ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝኽፈለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።