ምዝገባኻ ሰርዞ
ስራሕ ረኺብካ ዲኻ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ዲኻ? ከምኡ እንተኾይኑ ምናልባት ናትና ሓገዝ ዘየድልየካ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዘሎ መዝገብካ ክትስርዞ ትኽእል።
ምዝገባይ ከመይ ገይረ እስርዞ?
ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ ትጅምረሉ እዋን፡ክትሕብረና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።ብዝቐለለ ትሕብሮ፡ነታ ምዝገባኻ ሰርዞ(Skriv ut dig) ትብል ምስ ትጥዉቓ’ዩ።
ነቲ ምዝገባይ መዓስ ክስርዞ ኣለኒ?
ዝኾነ ይኹን ለውጢ ምስ ዘጋጥም ንቤት/ጽ ዕዮ ክትሕብር ይግበኣካ።ስራሕ ምስ ትረክብ ወይ ትምህርቲ ምስ ትጅምር፡ነታ ምዝገባኻ ሰርዞ (Skriv ut dig) ትብል ብምጥዋቕ ትሕብረና።
ዕረፍቲ-ወላዲ ክትወስድ እንተኾይካ፡እንተ ሓሚምካ ወይ ድማ ንኣብነት ኣድራሻኻ ምስ ትቕይር፡ግድን ብተሌፎን ወይ ብቻት ገይርካ ክትሕብረና ይግበኣካ።
ድሕሪኡ እንታይ የጋጥም?
ከም ደላዪ ስራሕ ምሳና ምዝጉብ ከም ዘየለካ ምስ ሓበርካና፡ንሕና ድማ ነቲ ናትካ ካሳ ስራሕ-ኣልቦ(ኦካሳኻ) ንሕብሮ።
ምሳና ከም ዘየለኻ፡ማለት ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዝነበረ ምዝገባኻ ከም ተሰረዘ፡መረጋገጺ ደብዳቤ ንልእኸልካ።