መሰላትካን ግዴታትካን
ስራሕ ክትደሊ ከለኻ፡ካባና ዘድልየካ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ኣብ ዝተመዝገብካሉ እዋን ነጢፍካ ስራሕ ክትደሊ ኣለካ።ነቲ ዝተሰማማዕናሉ መደበ ድማ ክትስዕቦ ኣለካ።
ነዞም ዝስዕቡ ከነበርክተልካ ንኽእል
- ምኽሪ፡ኣንፈትን ከምኡ ድማ ኣብ መካነ-መርበብና ዝርከቡ ናብ ስራሕን ትምህርትን ዘምርሑኻ ዲጂታላውያን ኣገልግሎታትን
- ካብ ኣራኻቢ-ስራሕ ብሓገዝ ተሌፎን፡ ቆጸራ ገይርካ ብኣካል ወይ ብቻት ውልቃዊ ደገፍ ምርካብ።ንኣብነት መደብ ምውጻእ፡ሓቢርኩም ክእለትካ ኲነታት ዕዳጋ-ስራሕ ኣብ ምግምጋም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።ሞያ ኣብ ምምራጽን ስራሕ ኣብ ምንዳይን ምኽሪ ንልግሰልካ።
- ተወሰኽቲ ሓገዛት ንኣብነት ሞያዊ ትምርህቲ፡ፍልጠትካ ኣብ ምምዛን፡ልምምድን(ፕራክቲክ) ንሞያን ትምህርትን ዘዳልዉ ዓውድታት ኣብ ምጅማር
- ናብ ስራሕ ዓለም ንኽትኣቱ ወይ ንኽትምለስ፡ወሃቢ ስራሕ ንዓኻ ደሞዝ ክኸፍለካ ሓገዝ ኣብ ምሃብ
- ካብ’ቶም ምሳና ስምምዕ ዘለዎም ትካላት፡ጽዑቕን ዝተዳረገን ሓገዝ ምርካብ
- ጠለብ ምስ ተማልእ፡ክፍሊት ካብ ካሳ ስራሕ-ኣልቦ(ኦካሳ) ወይ ቤ/ጽ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን)
ነዚ ክትገብር ኣለካ
- ምድላይ ስራሕ ምሳና ሓቢርካ ክትምድቦ
- ወርሒ ወርሒ ኣብ ሰዓቱ ንጥፈታዊ ጸብጻብ ምሃብ
- ጸብጻብ ናይ’ቶም ዝደለኻዮም ስራሕ ምቕራብ
- ኣብ ዝተሰማማዕናሉ እዋን መጺኻ ወይ ብኻልእ መንገዲ ምድሃይ
- ነጢፍካ ስራሕ ክትደልን ነቶም ዝተወከስናካ ስራሕ ድማ ከተመልክተሎም
- ምሳኻ ዝኸዱ ስራሕን ከምኡ ድማ ብፖሊሲ ዕዳጋ-ስራሕ ዝወሃቡ መደባት/ተወሳኺ-ሓገዛት ሕራይ ኢልካ ክትቕበሎምን
- ኣብ ሓደ መደብ ተሳታፋይ ኮይንካ ንጥፈታዊ ደገፍ፡ክፍሊት መትከሊ-እግሪ ወይ ዕብየታዊ ክፍሊት እንዳ ወሰድካ፡ካብ’ቶም ዝተመደቡ ንጥፈታት ምስ ትበኩር፡ብኲሪትካ ግድን ክትሕብሩ ኣለካ።
- ንካሳ ስራሕ-ኣልቦ(ኦካሳ) ወይ ቤ/ጽ መድሕን(ፈርሸክሪን ካሳን) ቅኑዓት ዝኾኑ ሓበሬታታት ክትህብ ኣለካ።
ክትገብሮ ዘለካ ምስ ዘይትገብር እንታይ የጋጥም?
ክትገብሮ ዘለካ ምስ ዘይትገብር መጠንቀቕታ ይወሃበካ ወይ ነቲ ካብ ካሳ ስራሕ-ኣልቦ(ኦካሳ) ወይ ቤ/ጽ መድሕን(ፈርሸክሪን ካሳን) ትረኽቦ ክፍሊ ደው ይብል።
ስራሕ ምስ ዘይትደሊ፡ኮነ ኢልካ ነቲ ስራሕ-ኣልቦነትካ ምስ ተናውሖ ወይ ብዙሕ ሳዕ ጠንቁ ምስ ትኸውን፡ኣብ ነፍሲ-ወከፍ እዋን ናይ ብዙሓት መዓልትታት ክፍሊት ይንፈገካ።እዚ ብዙሕ ሳዕ ምስ ዝደጋገም እቲ ዝወሃበካ ክፍሊት ምሉእ ብምሉእ ደው ክብል ሓደጋ ኣሎ።