“ኤ-መንነት” (E-legitimation)፡ “ባንክ-መንነት” (bank-id)፡ “ፍረያ-መንነት” (Freja-id)
ኣብዚ ታሕቲ፡ ”ኤ-መንነትን” (e-legitimation) ”ባንክ-መንነት-ወረቐትን” (bank-id) እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም እተውጽእን ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen)፥ መንነትካ ኣረጋጊጽካ መታን ናብ ”Mina sidor” ክትኣቱ (logga in) ክትክእል፥ ”ኤ-መንነት” (e-legitimation) ኢኻ ትጥቀም”።
”ኤ-መንነት” ተጠቒመ ብኸመይ ጌር ክኣቱ እኽእል?
ናብ ”arbetsformedlingen.se” ብኽልተ መገዲ ጌርካ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ዝቐለለ ”ኤ-መንነትካ” ተጠቒምካ ምእታው’ዩ። እቶም ልሙዳት ዝበሃሉ፥ ”mobilt bank-id”፡ ኣብ ኮምፕዩተር ትጥቀመሉ ”bank-id”፡ ”Freja e-id plus” ወይ ”Telia e-legitimation” እዮም።
ብናይ ”ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) ”ምስጢራዊ-ኮድን” (lösenord) ጌርካ ውን ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ”ኤ-መንነት” እንታ’ዩ?
”ኤ-መንነት” ዝበሃል፡ ሓደ ኣብ ኢንተርነት መንነትካ እተረጋግጸሉ፥ ናይ ”ኤሎክትሮኒክ ናይ መንነት ሰነድ” (elektronisk id-handling) ማለት’ዩ።
ነንበይኖም ዓይነታት ”ኤ-መንነታት” ኣሎዉ እዮም። እቶም ልሙዳት ዝበሃሉ፥ ”mobilt bank-id”፡ ኣብ ኮምፕዩተር ትጥቀመሉ ”bank-id” ኰይኖም፤ ካልእ ዓይነት ”ኤ-መንነት” ድማ እቲ ”Freja e-id” ዝበሃል እዩ።
ብኸመይ ”ኤ-መንነት” ክረክብ እኽእል?
ነቲ ”ኤ-መንነት” (e-legitimationen) ኣብ ”ስማርት-ፎን” (smartphone) ወይ ድማ ኣብታ ናትካ ”ኮምፕዩተር” ክትመልኦ ትክእል ኢኻ። ”ኤ-መንነት” ኣብ ቴሌፎንካ ኪህሉ ጽቡቕ’ዩ፥ ምኽንያቱ ድማ ኵሉ ጊዜ ”ኤ-መንነትካ” ምሳኻ ኣሎ ማለት’ዩ።
ናይ ”ባንክ-መንነት” ብኸምዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል
ናይ ”ባንክ-መንነት” (bank-id) ምርካብ፡ ኣብቲ ናትካ ”ኢንተርነት-ባንክ” (internetbank) ብምእታው ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኵሉ ዘድልየካ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ”ኢንተርነት-ባንክ” እንተ ደኣ ዘይብልካ ዄንካ፥ ናብ ሓደ ናብ ባንክ ኬድካ ሓግዙኑ በሎም። ናይ ”ባንክ-መንነት” ምርካብ/ምህላው ዘኽፍለካ ነገር የልቦን።
ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ”ባንክ-መንነት” ክተውጽኣሎም ትኽእል ባንክታት
ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” ብኸምዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል
ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” (Freja e-id plus) ንምውጻእ ”ኢንተርነት-ባንክ” ኣየድልየካን’ዩ። ኣብቲ ”ኣድራሻ ኢንተርነት” ”ፍረያ ኤ-መንነት” (webbplats) ኣቲኻ፥ ብኸመይ ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” (Freja e-id plus) ከም ትረክብ፡ ኣብኡ ክተንብብ ኢኻ።
ናይ ፍረያ ኤ-መንነት ኣውጽእ - Skaffa Freja e-id plus
ነቲ ብናይ ”ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) ”ምስጢራዊ-ኮድን” (lösenord) ዝጥቀመሉ ”ኮንቶ”፡ ምስ ናተይ ”ኤ-መንነት” ክከተሓሓዝ ይኽእልዶ?
እወ፡ ይኽእል’ዩ። ከምዚ ዚስዕብ ግበር፡-
- ነቲ ”Logga in” ዚብል ጽቐጦ።
- ኣየናይ ”ኤ-መንነት” ክትጥቀም ከም ትደሊ ምረጽ።
- ብ”ኤ-መንነት” ጌርካ ነቲ ትኽክለኛ ዝዀነ መንነትካ ንምርግጋጽ፥ ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ስዓቦ።
- ናይቲ ኣብ “arbetsformedlingen.se” ዘሎካ “ሕሳብ” (konto)፥ ነቲ ናትካ ናይ “ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) “ምስጢራዊ-ኮድን” ምልኣዮ። ብድሕሪኡ ነቲ ”Koppla konto till bank-id/e-legitimation” ዚብል ጽቐጦ።
- ሽዑ ወዲእካ ኣሎኻ ማለት’ዩ! ከም ብሓድሽ ናይቲ ”ኤ-መንነት’ቲ” ተጠቒምካ፡ ናብቲ ”ሕሳብካ” (konto) ከም ትኣቱ ግበር።
ኣብ ካልእ ሕብረት ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይንካ ሎግ ኢን ግበር(መንነትካ ኣብ ኢንተርነት ኣረጋግጽ)
ንኢንተርነታዊ ኣገልግሎታት ቤት-ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣብ ካልእ ሕብረት ኤውሮያዊት ሃገር ኮይንካ ክትጥቀመሉ ምስ ትደሊ፡ ምስ ናይ ሽወደን ቊጽሪ መንነትካ ወይ ግዝያዊ ቚጽሪ መንነት ዝተተኣሳሰረ፡ ባንክ-ኣይዲ የድሌካ። ኣህጉራዊ ኤ-መንነት ገይርካ ኢንተርነታዊ ኣገልግሎታትና ክትጥቀመሉ ኣይከኣልን’ዩ።