ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ክንደይ ርሒቕካ ከም ዘለኻ ብኸምዚ ይግምገም
ቤ/ጽ ዕዮ ናትካ ፕሮፋይል ንምውሳድ(ቀንዲ ኩነታት ህይወትካ ንምግምጋም) ኣብ ስታቲስቲክ ዝተሞርከሰ ገምጋም የካይድ።ከም’ዚ ክበሃል ከሎ፡ነቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ ብኡንብኡ ብምጥቃም፡ናይ ሓደ ህያው ሰብ ገል ክፋል ውልቃውያን ባህርያቱ ንምግምጋም፡ብፍላይ ንኣብነት ቊጠባዊ ኲነታቱ፡ውልቃውያን ምርጫታቱ፡ ዝንባሌታቱ፡ ባህርያቱ ወይ ዝነብረሉ ቦታ ኣብ ምምርማር ወይ ምትንባይ ይሕግዝ።ስለ’ዚ ቤ/ጽ ዕዮ፡ ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ክንደይ ዝኣክል ርሒቕካ ከም ዘለኻ ንምግምጋም፡ናይትካ ፕሮፋይል ይወስድ።
ኣብ እዋን ምዝገባ ዝሃብካዮም ሓበሬታታት ይምርኮስ
እቲ ናትካ ፕሮፋይል(ቀንዲ ኩነታት ህይወትካ መገምገሚ) ኣብ’ቲ ክትምዝገብ ከለኻን ድሕሪኡን ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ይምርኮስ።ቤ/ጽ ዕዮ ካብ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ንኣብነት ካብ ኢሚግሬሽን ሓበሬታ ክውስድ ይኽእል’ዩ።ዝተመዝገብካሉ እዋን፡ደረጃ ትምህርትኻ፡ዕድሜኻ፡ኣብ ትነብረሉ ቦታ ዘለዉ ተኽእሎታት ዝኣመሰሉ ገለ ካብ’ቶም ንምልከቶም ሓበሬታታት’ዮም።
ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ዘለካ ርሕቐት
ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ዘለካ ርሕቐት ንምግምጋም ቤ/ጽ ዕዮ ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ከም ኣድለይቲ ገይሩ ይወስዶም። ንኣብነት ከም ምዝጉብ ነዊሕ እዋን እንተገይርካ፡ካብ ዕዳጋ-ስራሕ ዝያዳ ርሒቕካ ከም ዘለኻ የመልከት።ከም’ዚ ምስ ዝኸውን እምበኣር፡ከም ደላዪ-ስራሕ ዝሓሸ ሓገዛት ንኽግበረልካ፡ካብ’ዘን ዝስዕባ መደባት ኣብ ሓንቲአን ትምደብ።
ምግምጋም እቲ ደገፍ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ክልተ ኣገልግሎታት እዩ ኣብ መዓላ ዝውዕል። እቲ ሓደ ኣዕጢቕካ ምዝማድ (Rusta och matcha) ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ደጊፍካ ምዝማድ (Stöd och matchning) እዩ።
ኣብ ዝኾነ ካብዘን ኮሙናት ዘይትነብሩ እንተዄንኩም ግን እቲ ደጊፍካ ምዝማድ እዩ ዝምልከተኩም ማለት’ዩ።
ኣብ ምድጋፍን ምዝማድን ዘለው ክልተ ዓይነት ክፋላት
- ንእሽቶ ደገፍ ጥራይ ዘድልየኩምን ብሓገዝ ንኣብነት ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዘሎ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ተሓጊዝኩም ባዕልኹም ርእስኹም ከም እትኽእሉ ገምጋም ዝተገብረልኩም
- ንምጅማር ስራሕ ወይ ትምህርቲ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዘድልየኩም ገምጋም ዝተገብረልኩም
ሰለስተ ዝተፈላለያ መደባት Rusta och matcha
- ሒደት ሓገዝ ከም ዘድልየካን በቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም ዲጂታላውያን ኣገልግሎታት ንኣብነት ነብስኻ ከም ትኽእል ምስ ትሕሰብ።
- ስራሕ ንኽትረክብ ወይ ትምህርቲ ንኽትጅምር ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዘድልየካ ምስ ትሕሰብ።
- ቤ/ጽ ዕዮ ዝያዳ ምርመራ ከካይደሉ ዘለዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ደገፍ ከም ዘድልየካ ምስ ትሕሰብ።
ዝበለጸ ደገፍ ንዓኻ
ትምደበሉ መደብ ብዘይገድስ፡ምስ ኣራኻቢ-ስራሕ ኲሉ ሳዕ ክትራኸብ ኢኻ። እቲ ኣራኻቢ-ስራሕ ኣብ’ቶም ኲሎም ብዛዕባኻ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሓበሬታታት ብምምርኳስ፡እቲ ዘድሊ ሓገዝ ይውስነልካ።ናይ’ቲ ዝድለ ደገፍ መሰረት ዝኾኑ፡ናይትካ ፕሮፋይልን መደብካን ጥራሕ እዮም።
ብዛዕባኻ ተታሒዙ ዘሎ ሓበሬታ ስቱር’ዩ
እቶም ንቤት/ጽ ዕዮ ዝሃብካዮም ሓበሬታታት ስትረት-ሓበሬታ ዝምልከቶም ኮይኖም፡ ብመሰረት ሕጊ ጸወን-ሓበሬታን (GDPR) ካልኦት ሕግታትን ድማ ይተሓዙ።እቲ ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዘሎ ጒዳይካ ምስ ኣብቀዐ፡ ካብ’ታ ዘብቀዓሉ ዐመት ድሕሪኣ ዘለዋ ሰለስተ ዓመታት፡እቲ ሓበሬታትካ ይስረዝ።እቶም ንስታቲስቲካዊ ዕላማ ዝተታሕዙ ሓበሬታታት ድማ ድሕሪ 10 ዓመታት ይስረዙ።እቶም ሓበሬታታት እንተ በዝሐ ንሰለስተ ዓመታት ንሕዞም ኮይኖም ፍቓድ ብዘለዎ ሰብ ጥራሕ ድማ ይተሓዙ።