Hኣጠቓቕማ ጸብጻብ ንጥፈት

እቲ ጸብጻባትካ እተቕርበሉ ኣገልግሎት በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ። ኣብ መርበብ ኢንተርነት፡ ጸብጻብ ንጥፈት ብሽወደንኛ፡ ብእንግሊዝኛን ዓረብኛን ይቐርብ።

Stäng

ሓበሬታኹም ከምዚ ጌርኩም ትመልእዎ (ብቛንቋ ሽወደን)

ጸብጻብኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታና ከመይ ጌርኩም ከተቕርቡ ከምእትኽእሉ፡ ኣብዚ ፊልም እዚ፡ ደረጃ ብደረጃ ነርእየኩም

ቋንቋ ምቕያር

ኣብ ኢንተርነት ኣብ ጸብጻብ ንጥፈት ኣብ እትኣትወሉ ግዜ፡ ናይ ፋልማይ ገጽን ናይቶም ዚስደዱ ጸብጻባት ገጽን ቋንቋ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ‘Languages’ ዚብል ጸቒጥካ ኢኻ ቋንቋ ትመርጽ።

ምፍላጡ ጽቡቕ፡-

  • ጸብጻብ ንጥፈትካ ከም ሰነድ ፒ.ዲ..ኤፍ. እንተ ኣውሪድካዮ፡ ብቋንቋ ሽወደንኛ ጥራይ ይረአ። ናይ ምኽንያት ከኣ፡ ንኣ-ካሳን ንኻልኦት ትካላት መንግስትን ክትጥቀመሉ ንኽትክእል‘ዩ።
  • ብቛንቋ ሽወደንኛ ዝተመልአ ጸብጻብ ንጥፈት ጥራይ ኢና ክንቅበል ንኽእል።

ጸብጻባትኩም ንምቕራብ እትኽተልዎ መስርሕ ነዚ ይመስል

1. እቶ (Logga in) ዚብል ጠውቕ

Bild på var man loggar in

2. ንሓደ ካብዞም ዚስዕቡ ኣገባባት ተጠቒምካ እቶ

  • ኣብ ሞባይል ቴለፎን ዝተጻዕነ “ሞቢልት ባንክ-ኢደ” (mobilt bank-id)
  • ኣብ ኮምፕዩተር ዝተጻዕነ “ባንክ-ኢደ” (bank-id)
  • ቴልያ ኤ-ለጊቲማሹን (Telia e-legitimation)
Bild på hur man väljer hur man vill logga in

3. እቶ (Till aktivitetsrapporten) ዚብል ጠውቕ

Bild på Till aktivitetsrapporten

4. እዞም ዚስዕቡ ንጥፈታት እንተሎዉኻ ሓበሬታ ብምሃብ ጸብጻብ ንጥፈት ብምቕራብ ጀምር፡-

  • ግዴታዊ ንጥፈትን ዝተሓበርካዮ ስራሕን
  • ዝተነግረካ ንጥፈትን እማመ ቦታ ስራሕን

ነቲ ንጥፈት ኣሳሊጥካዮ እንተ ኾይንካ፡ ነቲ ወዲአ (Klar) ዚብል ዘሎ ጽቐጦ፤ ነቲ ንጥፈት ዝተፈጸመሉ ዕለት ከኣ ምረጽ።

Bild på olika aktiviteter

5. ‘Lägg till ny aktivitet‘ ዚብል ጸቒጥካ፡ ናትካ ንጥፈታት መዝግብ።

Bild på knapp Lägg till aktiviteter

ካብዚ ዝርዝር: ንጥፈት ምረጽ። ነቲ ዚሕተት ሓበሬታ ምላእ። ነቲ ዓቅብ (spara) ዚብል ጠውቕ።

ንጥፈት

ዚሕተት/ዝጥለብ ሓበሬታ

ዝተሓተተ ክፉት ቦታ ስራሕ ቦታ

ዕለት፡ ወሃብ ስራሕ፡ ነየናይ ስራሕ ሓቲትካ፡ ቦታ

ዝኣተወ ናይ ተገዳስነት ምልክታ/ሲቪ (CV)

ዕለት፡ ወሃብ ስራሕ፡ ነየናይ ስራሕ ሓቲትካ፡ ቦታ

ቃለ-መሕትት

ዕለት፡ ወሃብ ስራሕ፡ ነየናይ ስራሕ ሓቲትካ፡ ቦታ

ርክብ ምቚጻር ሰራሕተኛታት

ዕለት፡ ሞያ/መዳይ ስራሕ

ዝሰራሕካዮ ስራሕ

ካብ ዕለት፡ ክሳዕ ዕለት፡ ዓይነት* ኣቆጻጽራ፡ ወሃብ ስራሕ

ዝተመሃርካዮ ትምህርቲ

ካብ ዕለት፡ ክሳዕ ዕለት፡ ንውሓት**፡ ኣዳላዊ ትምህርቲ

ተሳትፎ ኣብ ተሃድሶኣዊ ምትሕብባር (rehabsamverkan)

ካብ ዕለት፡ ክሳዕ ዕለት፡ ንጥፈትካ ግለጽ

ካልእ ንጥፈት

ንጥፈትካ ግለጽ

*ዓይነት* ኣቆጻጽራ ኪበሃል ከሎ፡ ምሉእ ግዜ፡ ክፋል ግዜ ወይ ዕለታዊ/ሰዓታዊ ምቚጻር ስራሕ ኪኸውን ይኽእል።
**ንውሓት ኪበሃል ከሎ፡ ምሉእ ግዜ፡ ክፋል ግዜ ኪኸውን ይኽእል።

6. እቲ ጸብጻብ ልክዕ እንተሎ፡ ስደዶ (”Skicka in din aktivitetsrapport”) ዚብል ጽቐጥ።

Bild på knappen Skicka in din aktivitetsrapport

ባዶ ጸብጻብ ንጥፈት ምእታው

ዚቐርብ ጸብጻብ እንተ ዛይብልካ፡ ባዶ ጸብጻብ ንጥፈት ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ካብ ኣ-ካሳን ካብ ቤ/ጽ ካሳ ውሕስነት እትረኽቦ ደሞዝ ኪጽሎ ከም ዚኽእል ግን ኣይትረስዕ።

ባዶ ጸብጻብ ንጥፈት ንምእታው ‘Skicka in din aktivitetsrapport’ ዚብል ጽቐጥ። 6ይ ተራ ተመልከት። ባዶ ጸብጻብ ንጥፈት ቅድሚ ምእታውካ፡ ናቱ ምኽንያት ክትህብ ዕድል ይወሃበካ’ዩ። ”Skicka” ዚብል ጸቒጥካ ባዶ ጸብጻብ ንጥፈት ኣእቱ።

Bild på Tom aktivitetsrapport