ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ - ብኸመይ ከም ዝሰርሕ

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ ግዜ ተኣሊኻ ዝነበርካ፡ ስራሕ ክቘጽረካ ንዝደሊ ወሃብ ስራሕ ዝኽፈል ሓደ ክፍሊት እዩ።

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ

ሓደ ወሃብ ስራሕ ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ስራሕ ክቘጽረካ ደልዩ ኣሎ

ገለ ካብቶም ጠለባት ተማልእ እንተ ዄንካ እዚ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ዝኸውን እንተ ኾይኑ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ። ብትፈልጦም ሰባት ጌርካ ወይ ብመገድና ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ስራሕ ክቘጽረካ ዝደሊ ሓደ ወሃብ ስራሕ ርኸብ። እቲ ወሃብ ስራሕ ናባና መመልከቲ ክሰድድ ተማሕጸኖ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንሓደ ስራሕ ክቘጽረካ ዝደሊ ወሃብ ስራሕ ዝኽፈል ክፍሊት ምዃኑ ዘክሮ።

ንመን - ነቲ ጠለብ ተማልኦ ዲኻ?

መመልከቲ ንወሃቢ ስራሕ

ኣብ ናተይ ገጻት (Mina sidor) ነቲ ቅጥዒ ምልኣዮ

ምልክታ ካብቲ ወሃብ ስራሕ ምስ ተቐበልና፡ ኣብቲ ናተይ ገጻት ዘሎ ናትካ ናይ ፍጻሜታት ሓበሬታ (händelseflöde) ሓደ ቅጥዒ ክርኣ እዩ። ብዛዕባ ናትካ ብኵራት ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘለካ ሓበሬታ ኣብኡ ትመልኦ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክትረክብ ንኽትክእል፡ እቲ ብኵራትካ ብቝዕን (ንኣብነት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወይ ብኵራት ብምኽንያት ሕማም) ከምኡ’ውን ብመጠኑ ዝተተሓሓዘን ክኸውን ኣለዎ።

ከምዚ ጌርካ ነቲ ቅጥዒ ትመልኦ

ኮምፕዩተር ወይ ኤ- መንነት (e-legitimation) ዘይብልካ እንተ ዄንካ

  • ናይ ባዕልኻ ኮምፕዩተር ወይ ዘመናዊት ሞባይል ተሌፎን (smart mobiltelefon) ዘይብልካ እንተ ዄንካ ናባና መጺእካ ንሓንቲ ካብተን ኮምፕዩተራትና ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
  • ኤ- መንነት (e-legitimation) ዘይብልካ እንተ ዄንካ ነቶም ሕቶታት ብዛዕባ ናትካ ብኵራት ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ናይ ወረቐት ቅጥዒ ብምምላእ ክትምልሶም ትኽእል ኢኻ። ናይ ደላይ ስራሕ ጽማቝ ጸብጻብ ቅድሚ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ (Arbetssökandes sammanställning inför nystartsjobb) Pdf, 464 kB.። እቲ ቅጥዒ ካብ ሓንቲ እተን ኣብያተ ጽሕፈታትና እውን ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።

ብኸምዚ ኣገባብ ኤ-መንነት (e-legitimation) ተውጽእ

ቅጥዒ፡ ናይ ደላይ ስራሕ ጽማቕ ጸብጻብ ቅድሚ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ (Arbetssökandes sammanställning inför nystartsjobb) Pdf, 464 kB.

ንሕና ውሳኔ ንውስን

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ውሳኔ ይውስኑ። እቲ ናትካ መልሲን ምናልባት ናይ ምስክር ወረቐትን ምስ ናይ ወሃብ ስራሕ ምልክታን እቲ ወሃብ ስራሕ ሓደ ሓደ ጠለባት ዘማልእ እንተ ኾይኑን ብሓባር መሰረት ናይቲ ውሳኔ ይኾኑ።

ነቲ ወሃብ ስራሕ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክወሃቦ ይኽእል

ስራሕ ትጅምር

ውሳኔ ምስ ወሰንና ብሓድሽ መጀምሪ ስራሕ ስራሕካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ንስራሕኻ ክፍሊት ይኽፈልን ንስኻ ድማ ሓደ ሓድሽ ምጅማር ትረክብን ማለት እዩ።

እቲ ዉሳኔ ምስ ወሰና ከም ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ ተቖጺርካ ክትጅምር ትኽእል ፡እዚ ማለት እቲ ዉሃብ ስራሕ ንዓኽ ንኽቖጽረካ መተካእታ ገንዘብ ይኽፈሎ።

ንስኻን እቲ ዉሃቢ ስራሕን ነቲ ስራሕካ ዝምልከት ሓደ ናይ ስራሕ ዉዕል ክትምስርቱ ንመክር።

መሰላትን ግዴታትን - ውዕል ናይ ስራሕ ምቝጻር ክትጽሕፍ ከለኻ ክትሓስበሉ ዘለካ

ብኸምዚ ኣገባብ ውሳኔ ንውስን

ናይቲ ዉሃብ ስራሕ መመልከቲ መልስን እቲ ኣብ ናተይ ገጽ (Mina sidor) ዝመልስካዮ ቅጥዕን (ወይ ብወርቐት ዝመለስካዮ ቅጥዒ) ምስ ተቐበልናዮ ምስ’ቶም ናይ ሓድሽ ምጅማር ስራሕ ዝጅምሩ ጉጅለ ንዓኻ ዝምልከትካ ምዃኑ ነጽንዕ ከምኡ ዉን ንግምግም፡ ንምሳሌ እንድሪ ድኣ ሓድሽ መጻኢ ኾንካ ወይ ካብ ናይ ስራሕ ህይወት ርሒቕካ እንተ ነበርካ ምስቶም እቲ ዕላማ ዝምልከቶም ጉጅለ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ንመን - ነቲ ጠለብ ተማልኦ ዲኻ?

እቲ ወሃብ ስራሕ እውን ሓደ ሓደ ጠለባት ከማልእ ኣለዎ፣ ንኣብነት ናብ ብዓል መዚ ኣስፈጻሚ (Kronofogden) ዝተላእከ ናይ ግብሪ ዕዳ ወይ ብዙሕ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳታት (betalningsanmärkningar) ክህልዎ የብሉን።

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ብኸምዚ ይጸልወካ

  • ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ኣብ ናይ ወሃብ ስራሕ ናይ ግብሪ ሕሳብ ብመልክዕ ልቓሕ ዝተሓዝ ነቲ ናትካ ናይ ስራሕ ምቝጻር ዝወሃብ ሓደ ናይ መንግስቲ “ክፍሊት” እዩ።
  • ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንደሞዝካ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ወይ ንኽንደይ ንውሓት ስራሕ ተቘጺርካ ከም ዘለካ ኣይጸልዎን እዩ።
  • ኣብቲ ናይቲ ዉሃብ ስራሕ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ (kollektivavtal) ተመዝጊቡ ዘሎ ደሞዝ ክትወስድ መሰል ኣሎካ፡ እቲ ዉሃብ ስራሕ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ እንተ ዘይብሉ ዉን ከምቲ ካልኦት ናይቲ ጨንፈር ናይ ስራሕ ስምምዕ ዘለዎም ተመሳሳሊ ደሞዝ ክህልወካ ኣለዎ።
  • ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዝቝጸር ስራሕ፡ ኣብ ሕጊ ውሕስነት ስራሕ (lagen om anställningsskydd, LAS) እቱው እዩ። እቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ሓባር ውዕል እንተ ኣለዎ ኾይኑ፡ ገለ ክፋላት ካብቲ ሕጊ ውሕስነት ስራሕ ብውዕል ተኣልዮም እዮም።
  • ነቲ ወሃብ ስራሕ ዝወሃብ ክፍሊት ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎ፡ እቲ ናትካ ስራሕ ግን ከምኡ ክኸውን ኣየድልዮን እዩ።

ዝውቱራት ሕቶታትን መልስን

መን ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክረክብ ይኽእል?

ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ዘይነበረካ ሰብ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ንሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዘመልክተልካ።

  • ንዓኻ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ ዝኾንካን ንኣብነት ስራሕ ዘይነበረካ፡ ብምኽንያት ሕማም ካብ ስራሕ ኣብኩርካ ዝነበርካ ወይ ንነዊሕ ግዜ ስራሕ ኣልቦን ቍጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ ትወስድ ዝነበርካን፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ስራሕ ንኽቈጽረካ ክፍሊት ክወሃቦ ይኽእል እዩ።
  • ንስኻ ደላይ ስራሕ ዝኾንካ ስራሕን ደሞዝን ትረክብ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ነዚ ሓገዝ ይረክብ። ሓደ ወሃብ ስራሕ ድሮ ተቝጺሩ ንዝስርሕ ዘሎ ሰብ ክፍሊት ክወሃቦ መሰል የብሉን።
  • እቲ ወሃብ ስራሕ ንዓኻ ኣብቲ ስራሕ ኣገዳሲ ጽልዋ ንዘለካ ሰብ፡ ንኣብነት ሓደ ካብቶም ሽማግለ፡ ወናኒ ትካል፡ ከታሚ ወይ ሓላፊ ትካል ወይ ተመሳሳሊ እንተ ዄንካ እውን ክፍሊት ክወሃቦ መሰል የብሉን።
  • እቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ውልቂ ትካል ( enskild firma) እንተ ኣለዎ ኾይኑ፡ ንብዓል ቤታ፡ ብዓልቲ ቤቱ ወይ ብሓባር ምስኡ ወይ ምስኣ ንዝነብር ሰብ ስራሕ ብሙቝጻር ክፍሊት ክረክብ እውን ኣይክእልን እዩ።

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ (Nystartsjobb) – ሓደ ወሃብ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ ግዜ ብዘይ ስራሕ ንዝነበርካ ሰብ ስራሕ ክቘጽር ከሎ

ኣየኖት ናይ ስራሕ ኣቈጻጽራ ዓይነት እዮም ንሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዝምልከቱ?

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኣቈጻጽራ ዓይነት ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንሓደ ቈዋሚ ስራሕን ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ምቕጻር ስራሕ ዚምልከት፡ ንቡር ኣቈጻጽራ ስራሕ ካብ ኣታዊ ግብሪ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝግበረሉ ዓይነት ኣቈጻጽራ ስራሕ እዩ። ከምኡ’ውን ንናይ ክፋል ግዜ ስራሕ ምቝጻር ይምልከት እዩ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ነቲ ናይ ብሰዓታት ስራሕ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ዘድሊ እዋን ንምስራሕ ትቝጾሮ ስራሕ ኣይምልከትን እዩ።

ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክትቍጸር ከለኻ ኣየናይ ደሞዝ ኢዩ ዝወሃበካ?

  • እቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ሓባር ውዕል እንተ ኣለዎ ኾይኑ፡ ደሞዝካ ብመሰረት እቲ ናይ ሓባር ውዕል ክትክፈል ኣለካ።
  • እቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ሓባር ውዕል ዘይብሉ እንተ ኾይኑ፡ ምስቲ ናይ እቲ ሓባር ውዕል ዝምልከቶ ሞያ ዝመጣጠን ደሞዝ ክትክፈል ኣለካ። እዚ፡ እቲ ደሞዝ ካብቲ ኣብቲ ናይቲ ሞያ ናይ ሓብር ውዕል ተጠቒሱ ዘሎ ደሞዝ ክትሕት የብሉን ማለት እዩ።

ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ መተካእታ ደሞዝ ሕማምን ናይ ወለዲ ዕረፍትን ብኸመይ ይሰርሕ?

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ሓደ ንቡር ናይ ስራሕ እዩ። ዓመታዊ ዕረፍቲ፡ መተካእታ ደሞዝ ወለዲን መተካእታ ደሞዝ ሕማምን፡ ከምቲ ንቡር ናይ ስራሕ ምቝጻር፡ ልክዕ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ።

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክህልወኒ ከሎ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከቕርብ ድየ?

ምሉእ ሰዓታት ትሰርሕ እንተ ዄንካ ዝኾነ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተቕርብ ኣየድልየካን እዩ። ብኸፊል ግዜ እንተ ዄንካ ትሰርሕ ናይቲ ገና ስራሕ ትደልየሉ ዘለኻ ግዜ፡ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተቕርብ ኣለካ።

  • ኣብነት 1. ምሉእ ሰዓታት ትሰርሕ እንተ ዄንካ ናይ ንጥፈታታ ጸብጻብ ምቕራብ ኣየድልየካን እዩ።
  • ኣብነት 2. 75 ሚእታዊት ትሰርሕ 25 ሚእታዊት ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንተ ዄንካ፡ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተቕርብ ኣለካ። ብመልክዕ ኣ-ካሳ/ደገፍ ንጥፈታት ናይቲ 25 ሚእታዊት ክፍሊት ትሓትት ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ እዚ ይምልከተካ እዩ።

ናይታ ናይ መወዳእታ ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካላ ወርሒ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ምቕራብ ኣይትረስዕ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ ስራሕ ምቝጻርካ ምስ ጀመረ ኢኻ ትገብሮ።

ቅድሚ እቲ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሃብ ስራሕ ኣየኖት ጠለባት ኣለዉ?

  • እቲ ወሃብ ስራሕ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ናይ ወሃብቲ ስራሕ መዝገብ ዝተመዝገበን፡ ደሞዝ ምስ ተኸፍለ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ግብርን ናይ ወሃብ ስራሕ ክፍሊትን ጸብጻብ ዘቕርብ ክኸውን ኣለዎ።
  • ክፍሊት ኣብ ዝወስደሉ ምልኡ እዋን፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ነቲ ደሞዝ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ክኸፍሎ ኣለዎ።
  • ናብ ብዓል መዚ ኣስፈጻሚ (Kronofogden) ዝኣተወ፡ ኢንዱስትሪን ንግድን ንኸየካይድ እገዳ ወይ ናይ ግብሪ ዕዳ ክህልዎ የብሉን
  • እቲ ወሃብ ስራሕ ብዙሕ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳታት (betalningsanmärkningar) ክህልዎ የብሉን።

እቲ ወሃብ ስራሕ ንኽንደይ ግዜ ዝኣክል ነቲ ናተይ ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ተቘጺረዮ ዘለኹ ስራሕ፡ ክፍሊት ክወስድ ይኽእል?

  • ንሕና ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንሰርሕ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ንኽንደይ ግዜን ክንደይ ብዝሒ ገንዘብን ክወሃቦ ከም ዝኽእል ሕሳብ ንገብር። ንስኻ ስራሕ ትቝጸር ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክትርክብን እንተ ዄንካ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ነቲ ወሃብ ስራሕ ብዝያዳ ዘርብሕ ኣማራጺ ኢና ንመርጽ።
  • ኣብ ሓደ ግዜ፡ እንተ ነውሓ ንዓመት ዝኽፈል ክፍሊት ኢና ንውስን።
  • ከምኡ’ውን እቲ ወሃብ ስራሕ ንመሰል ክፍሊት ወይ መጠን ክፍሊት ዝጸሉ ለውጥታት ክህሉ ከሎ ንዓና ክሕብር ኣለዎ። ገለ ነገር ክልወጥ ከሎ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ብዝተኻእለ ቀልጢፉ ክሕብር ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኵነት ነቲ ውሳኔ ዳግማይ ክንርእዮ የድልየና ይኸውን።

እቲ ወሃብ ስራሕ ነቲ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ከመይ ጌይሩ የናውሖ?

እቲ ወሃብ ስራሕ ነቲ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ከናውሖ እንተ ደልዩ፡ ናይ መናውሒ ምልክታ ክወሃበና የድሊ እዩ። ኣብቲ እቲ ወሃብ ስራሕ ካባና ዝተዋህቦ ውሳኔ፡ እቲ ዝነውሐ ክፍሊት ዝኽፈለሉ ግዜ ክንደይ ምዃኑ ሰፊሩ ኣሎ። ቅድሚ እቲ ናይ ውሳኔ ግዜ ምውድኡ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ንምንዋሕ ከመልክት ኣገዳሲ እዩ።