ገጻተይ

ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ብምእታው ትልሞም ክከታተሉን ግልጋሎታትና ክጥቀሙን ይኽእሉ እዮም። እዚ ዝምዝገብሉ ቦታ እውን እዩ። ንምእታው እቲ ዝቐለለ መንገዲ ኤለክትሮኒክ መለለዪኦም ምጥቃም እዩ።

ኣገዳስነት ኤለክትሮኒካዊ መንነት e-legitimation

ብዲጂታላዊ ኣገባብ ጌርካ መንነትካ ምርግጋጽ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዝያዳ ኣገዳስን ቀሊልን እዩ።

ኤለክትሮኒካዊ መንነት ኣውጽኡ e-legitimation

ተመዝገቡ

ኣብታ ቀዳመይቲ ስራሕ ኣልቦ ዝዀንኩምላ መዓልቲ ኣባና ተመዝገቡ፡ ንምምዝጋብ ከምዚ ግበሩ፡

ጸብጻብ ንጥፈታትኩም ሓብሩ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ሞንጎ ካብ ዕለት 1 ኣትሒዝኩም ክሳዕ ዕለት 14 ንጥፈታትኩም ክትሕብሩ ኣለኩም።

ክትሓሙ ከለኹም

እንተሓሚምኩም፡ ብኩራትኩም ብኸምዚ ትሕብሩ።

ቈልዓ ንምሓዝ ክትበዅሩ ከለኹም ብኸምዚ ሓብሩ

ዝሓመመ ቈልዓ ትኣልዩ እንተለኹም፡ ነቲ ብኩራት ብኸምዚ ትሕብሩ።

ውጥን ኣዳልዉ

ኣብቲ ውጥንኩም ንድልያ ስራሕ ኢኹም እትጥምቱ።

ሓደ ፕሮፋይል ክፈቱ

በቶም ኣባላት ዝደልዩ ወሃብቲ ስራሕ ከም እትርከቡ ኩኑ።

ጸጋታትኩም መልእዎ

ተኽእሎ ምርካብ ስራሕ ንምዕዛዝ ዝሕግዘኩም፡ ዘጥረኹሞ ሓድሽ ተሞኩሮ እንተሎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ካልእ ጸጋታት መሊእኩም ጸሓፍዎ።

ካብ መዝገብ ውጹ

ስራሕ ወይ ትምህርቲ እንተጀሚርኩም፡ ኣብዚ ሓብሩና ኢኹም።