ቢሮታትና

ኣብ ቢሮ ግልጋሎት ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ዝተሓሓዙ ቅልል ኣብ ዝበሉ ጉዳያት ሓገዝ ይረኽቡ። ናብ ቢሮ ግልጋሎት ንምኽያድ ቆፆሮ ምሓዝ ኣየድልን። ኣብ ሓድሓደ ጉዳያት ሓድሓደ ግዘ ምሳና ቆፆሮ ምሓዝ ከድልዮም እዩ። ስለዚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንሕና ንዖኦም ክንረኽቦም እንኽእለሎም ናይ ባዕልና ቢሮታትን ካልኦት ግቢታትን ኣለዉና።

Vänta, informationen laddas...

ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ቢሮ ግልጋሎት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም

ቢሮ ግልጋሎታት ናይ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen)፣ ኤጀንሲ ጡረታ ሸወደን (Pensionsmyndigheten)፣ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan)፣ ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን (Skatteverket)፣ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደንን (Migrationsverket) ብሄራዊ ማእከል ግልጋሎትን (Statens servicecenter) ትሕብብር እዮም። ብሄራዊ ማእኸል ግልጋሎት ቢሮ ግልጋሎታት በዞም ዝስዕቡ ክሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም፦

  • ናይ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ዲጂታዊ ግልጋሎት ኣብ ምጥቃም
  • ኣብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ብምምዝጋብ
  • ሓበሬታ ንጥፈት ኣብ ምእታው
  • ቅጥዕታትን ወረቓቕቲ ምስክርን ኣብ ምምላእን ምሕታምን
  • ብዛዕባ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ሓበሬታ ኣብ ምርካብን ምርዳእን።

ከም ደላዪ ስራሕ፣ ስራሕ ንምድላይን መመልከቲ ሰነድ ንምፅሓፍን ኮምፒዩተር ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ከም ወሃቢ ስራሕ፣ ናይ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ዲጂታል ግልጋሎታት ብምጥቃም ሓገዝ ምርካብን ጠቕላላ ሓበሬታን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ቢሮ ግልጋሎት ሓገዝ ንምርካብ ቆፆሮ ኣየድልዮምን እዩ። ቅድሚ ቢሮ ግልጋሎት ምጉብናዮም ቀልጢፎም ስለዝቕይሩ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ምርግጋፅ ፅቡቕ እዩ። ቢሮ ግልጋሎት እንትጉብንዩ ታሴራ ሒዞም ምምፅኦም ይዘክሩ።

ኣብ ቢሮ ግልጋሎት ደገፍ ኣለሻ ስራሕ ይርከቡ

ፊልም
/

1 ደቒቕ 58 ካልኢታት

ኣብቲ ቪድዮ ናይ ብሄራዊ ማእኸል ግልጋሎት (Statens servicecenter) ሰራሕተኛ ግልጋሎት እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ የብራህርህ።

ደብዳበ ናብ ቢሮ ዝልእኹ እንተኾይኖም

ብፖስታ ናባና ደብዳበ እንትልእኹ፤ ብኻልእ እንተዘይተገሊፁ፤ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ኣድራሻታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣለዎም። ናይ ተቐባሊ ሽም ኣብቲ ፖስታ ክፀሓፍ ኣለዎ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣለዎ። ኣብቲ መዐሸጊ ፖስታ ንተቐባሊ ከመልክቱ የብሎምን።

Arbetsförmedlingen
(ናይ ተቐባሊ ሽም ኣብዚ የስፍሩ)
FE 8xxx (xxx ኣብ ቢሮታትና እንትርእዩ ኣብቲ ቢሮ ዝርአ ፍሉይ FE ናይ ቢሮ ቁፅሪ ክትካእ ኣለዎ።)
107 67 Stockholm

ንምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ

ናይ ተቐባሊ ስም ኣብ ልዕሊ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) እንተፅሒፎምዎ እቲ ደብዳበ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ፖስትኖርድ ተርሚናል ውሽጢ ይተርፍ፣ ብሱሩ ዘይክበፅሕ እውን ይኽእል እዩ።

ተመክሮኣዊ ፍልጠት እንህበሎም ኢንዱስትሪታት

ኣብ ባህልን ሚድያን ከምኡ እውን ኣብ መጓዓዝያ ስራሕ እንትእልሹ ንህቦም ተወሳኺ ምኽሪ ኣሎ እዩ።

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኢንዱስትሪ (ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን)